HOME EVANGELISM AND PRAYER GUIDE FOR ERITREA, TIGRIGNA, JUNE, 2020

መምርሒ ጸሎት ኤርትራ, ወርሒ ሰነ, 2020

 “…. those who are led by the Spirit of God are sons of God.” Rom.8: 14

 HOME EVANGELISM AND PRAYER MINISTRIES

FOR FOREIGNERS IN KENYA, AND BEYOND

 ብስም ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ሰላም እብለኩም። ንነፍሲ ወከፍ ዜናን ጸሎትን፣ ሓገዝን ዘበርከትኩምዎ ኩሉ አዚየ ኤመስግን። ደጋጊመ ብዛዕባ ትግሪኛ ርእቶኹም ብጣዕሚ ኤመስግን ተባርኹ። ጾር ሃገርና ኤርትራ ብዝዛየደን ቀጻልን አገዳስን ዝኾነ በዚ መምርሒ ጸሎትና ከካፍለኩም እደሊ። “ብርሃንኪ መጺኡ፣ ክብሪ እግዚአብሄር ከአ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፣ ተንስኢ ብርሂ። እንሆ፣ ጸልማት ንምድሪ ጣቕስ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም ግናኸ እግዚአብሄር አብ ልዕሌኺ ኺወጽእ ክብሩውን አብ ልዕሌኺ ኺድራኤ እዩ።” ጐይታ የሱስ ይመጽእ አሎ፣ ምህናጽ ሃገርናን አካል ክርስቶስን ብዝያዳ አዝዩ ይቐርብ አሎ። ንቤተሰብን፣ ሕብረተሰብን፣ አካል ክርስቶስን፣ ንብምልእታ ሃገርን ጸልዩ። ናይ ኮሙኒዝም መንፈስ አብ ሃገርና ይገዝእ ስለ ዘሎ ኤርትራ ዓቢዪ ጸሎት የድልያ እዩ። ስለ ናይ እምነት ጀጋኑ ቤተሰብ ጸልዩ፣ ነጻነት አምልኾ አውጁ።

ነቶም አብ ስደት ዘለዉ (ከም አብ ማእከል ጐልጐል ንቑጻት ዓጻጽምቲ ዘለዉ) ብጸሎት፣ መንፈስ ቅዱስ ህይወቶም ከጽርዮን መርገም ገድሊ ካብ ህይወቶም ክሰብርን ጸልዩ። ካብ ብኰሎኒ ገዛእቲ ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ኤርትራ ብብዙሕ መከራ ምስ ህዝባ ትሓልፍ አላ። ወርቅናን ነሓስናን አስራዚናን ናይ ተሌፎን ኬብልናን(ቀደም ንኬንያ ብጸላእቲ ዝተሸጠ)፣ ብኾሬንቲ ዝዓዪ ዝነበረ ብህዋህው አቝሑ ዘማላልስ ዝነበረን፣ ካልእውን ክንዝርዝሮ ዘይከአል ሃብቲ ኤርትራ ተወሲዱዋ’ዩ፣ ጐይታ ክኽሕሳ ጸልዩ። (Please get information on the internet and go to UN/US Sanctions on Eritrea Latest Chapter in a Long History of Injustice) አብ ኤርትራ ፍርሃት እግዚአብሄር ዘሎዎም ሰባት ክህበናን ሃገርና ብኩሉ ዘድልያ ክትህነጽን ጸልዩ። ጸሐይን ንፋስን ዝናብን በብእዋኑ ክህበና ጸልዩ። በረድን ሽሾን ድርቅን ዘይኰነስ እኹል ዝናብ ንምዝራእን ብዙሕ ምህርቲ ንምሕፋስን ዘኽእል አብ ውሽጢ ወሰናታ ክህበና ንምሻጥ ዘኽእል ክኸውን ጸልዩ። አዚኹም ውግእ ተቓወሙ፣ ሰላም አውጁ።  ምሕንጻጽ ወሰን ምድሪ አብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወርሒ ሕዳር 2007 . . ጐይታ ስለ ዝወድኦ ነመስግን።  በቲ ፕረዚደትና ዝብሎ  አብቲ ESAT ቃለ መጠይቕ ክገብሩ ከለዉ ብለካቲት 2015, እቲ ናይ ቀደም ሕንጻጽ ከምዘለዎ ስለ ዘሎ ካልእ ሕንጻጽ ከም ዘይግበር፣ ከምዘለዎ ከምዝቐውም እዩ። ሓድሽ ሕንጻጽ ዝግበር የለን። ሓድሽ ዜና ግና ብ5 ሰነ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር አቢይ አሕመድ እቲ ቅያዲ ሕጊ ብዘይ ቅድመ ዅነት ከም ዝቕበሎን፣ ኤርትራ ድማ ብ20 ሰነ 2018 መልሲ ከም ዝሃበትሉ ንሰላም ዝርርብ ሰባት ንአዲስ አበባ ከም እትልእኽ ፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ ስለ ዝተዛረበ፣ ብሰላም ከም ዝፍጸም ኰይኑ አብ ስምምዕ ቀሪቦምን ወዲኦምን አሎዉ።  ኤርትራ ግድን እትደልዮ ዝነበረት ኢትዮጵያ ጓዓዛ ጠቕሊላ ምስ ወተሃደራታ ክትወጽእ ዝበለቶ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወተሃደራተን አልጊሰን አለዋ ። ካብ ኤርትራ ዝተወስደ ሃብቲ ክምለስ፣ ዝግባአ ካሕሳ ሒዙ ክመጽእ ብገዛእቲ ጊዜ ዝተወስደ ዀነ ብኢትዮጵያ ዝጠፍኤ ኩሉ ክምለሰላ ንጸሊ 17 ነሐሰ 2009 ብዝተበየኖም ፍርዲ ኤርትራ 10 ሚልዮን ናይ አሜሪካ ገንዘብ ንኢትዮጵያ ክትከፍልያ። አይትዘንግዑ፣ ብ2013ን ዓ. ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ወከልቲ ምስ ናይ ኤርትራ መዝነት መራሕቲ፣ብዛዕባ እተን ሃገራት ንባሕሪ ምእታው ግደ ዘይብለን፣ አብ ኦስትሪያ አኼባ ገይሮም ነይሮም። ክልቲኤን ብምስምማዕ ንባሕሪ ምምልላስ ኰነ ብመግድን ብባቡርን ንኽልቲኤን ብስምምዕ ከፊተን አለዋ። ኢትዮጵያ ነቲ ቀያዲ ሕጊ አብ አልጀርስ ምስ ኤርትራ ዝተፈራረምዎ አብ ግብሪ ንምውዓል ተሳማሚዓ አላ።ነቶም ኤርትራውያን ናይ ባንክ ወለድ ገንዘቦም ዝተዓገቶም፣ ንብረቶም ምስ ካልኦት ዝገደፉ ከመይ ጌሮም ከም ዝረኽብዎ አይፈልጡን’ዮም። ገለ ገሊኦም ንብረቶም ብግለ ሰባት ተወሲዱዎም አሎ። ስለዚ ብጸሎት ዘክሩዎም።  ብኹሉ ንስሓ አቕርቡ ንኤርትራ ብዙሕ ምሕረት ጐይታ አውጁ። ብዘይ ቅድመ ዅነት አብያተ ክርስቲያናት ክኽፈታን ናይ እምነት እሱራት ክፍትሑን ንጸሊ። መወዳእታ ናይ ኤርትራውያን ንብረት ምምላስ ብወርሒ መስከረም/ጥቅምቲ ይውዳእ ተባሂሉ ይውረ ነይሩ።

እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚአብሄር ንሱ አምላኽ እዩ፣ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር ጥራያ ክትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፣ አነ እግዚአብሄር እየ ብጀካይውን ካልእ የልቦን። (ኢሳ.5. 18). ስለዚ ብዛዕባ ኤርትራ ምስጋና አቕርቡ። ጐይታ እግዚአብሄር ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራውያን ክትውረስ ስለ ዝደኰናን ዝፈጠራን፣ ፈጺማ ከም ዘይትባድም ጌሩ እግዚአብሄር ምሕረቱ አባና ስለ ዘዕዘዘ፣ ንአና ከአ ወሰናትና ስለ ዝቐደሰ ነመስግኖ። (ግ.ሃዋ.17. 26-28).

ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ/ ከትንብቦ/ ንሓትት።

ዝኸበርኩም ናይ ጸሎት ብጾት እታ እንጽበያ ዝነበርና መጽሓፍ “SINGLES AND PASTORAL CARE” ዝአርእስታ ተሓቲማ አላ። ስለዚ መገብትን ሓዳር ዘይመስረቱን ገዚኦም ይጠቐሙላ። እዛ መጽሓፍ እዚአ ብዙሕ ርእዮታት ከተምጽእ ትኽእል እያ። ብፍላይ እኳ በቶም መንእሰያት ገና ምልላይን ናብራ ንምምስራትን ብዝደልዩ ብዙሕ ከተኩሩላ ዘሎዎም መጽሓፍ እያ። ስለዚ ብኢመይል ኰነ ብብሎግና ወይ ከአ ብስልኪ ጸዊዕኩም ሕተቱ አበይ ከም እትረኽብዎ ክንሕብረኩም ተበረኹ። “eriprayer.wordpress.com and our email pstkidisti@yahoo.com or home2008.home@gmail.com” እዚ አበይ ከምትረኽብዎ ሓበሬታ ንምርካብ ይሕግዝ። Mobile +254789034869 or +254722986251

ሰነ 1, 2020

ብዛዕባ አብ ውሽጢናን ብወጻእተኛታትን ብጉጉይ መገዲ ዝኸሱና አርቂቕና ክንጥምት የድሊ። “ብዘበን ዳዊት ድማ፣ ዓመት ንዓመት፣ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ኰነ። ዳዊት ከአ ገጽ እግዚአብሄር ደለየ። እግዚአብሄር ድማ፣ እዚ ብሰሪ ሳኦልን ብሰሪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን፣ ንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም እዩ፣ በለ። ሽዑ ንጉስ ንጊብዖናውያን ጸዊዑ ተዛረቦም። እቶም ጊብዖናውያን ግና ካብቶም ካብ አሞራውያን ዝተረፉ እዮም እምበር፣ ካብ ደቂ እስራኤልሲ አይኰኑን። እቶም ደቂ እስራኤል ደአ ምሒሎምሎም ነበሩ፣ ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንአት፣ ኬጥፍኦም ደለየ። (2 ሳሙ. 21፦1-2) ብአካባቢ 4ይ ክፍሊ ዘመን ማለት ብግዝአት ሮማውያን ዘመን ዕንወት ናይተን ከተማታት ብሃዳሚ ዋጋ ክቡርነት ትሑትን ድኻ ምሕፋስ ምህርትን ተራእዩ። እዚ ኸአ ብዙሓት ንኡሳን ሓረስቶት ብክሳራ ሰጒጉ። ሕማቕን ከሓድን አማሓዳድራ ድርቒ የስዕብ። ድኽነት ከአ ሰባት ካብ ከባቢኦም የፋናቕል እዩ። በዚ ጊዜ’ዚ ብዙሓት መንእሰያት ካብ ኤርትራ ይወጹ አለዉ። እግዚአብሄር ንምድርና ከሕውያ ንጸሊ። አብ ኢኮኖሚናን ፖለቲካን ምሕዋይ ክእውጅ ንጸሊ። ምናልባትውን ከምቶም ጊብዖናውያን፣ ምስ ዓለወኛታትን መታለልትን ርእሶም ለዊጦም ብምርአይ ቃል ኪዳን ዝአተዉ እንተደአ አልዮም፣ ኪዳኖም ክስበር ንጸሊ።

ሰነ 2, 2020

አማራርሓ አከአብ ጠሓሲ ሕጊ ነበረ። “ድሕርዚ ነገር እዚ ኸአ ዀነ፣ ንናቦት ይዝርኤላዊ አብ ይዝርኤል፣ አብ ጥቓ አደራሽ አከአብ ንጉስ ሰማርያ አታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። አከአብ ድማ ንናቦት፣ እዚ አታኽልቲ ወይንኻ፣ ንሱ አብ ጥቓ ቤተይ እዩ እሞ፣ አታኽልቲ ሓምሊ ኪዀነንስ፣ ሀበኒ፣ አብ ክንዳኡ ኸአ ካብኡ ዚበልጽ አታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፣ ወይስ እንተ ፈቶኻ፣ ገምጋሙ ገንዘብ ክህበካ፣ ኢሉ ተዛረቦ። ናቦት ድማ ንአከአብ፣ እቲ ርስቲ አቦታተይ ክህበካስ፣ እግዚአብሄር ካባይ የርሕቆ፣ በሎ።” (1 ነገ. 21፦ 1-3) ከምቲ ሕጊ አብ እስራኤል መሬት አይሽየጥን አይልወጥን ድማ ነይሩ። ብብዙሓት ግሩፓታት አማራርሓ አብ ቤተ ክርስቲያን ስርዓት ብስጋዊ ቅልጽም ክትምካሕ ይገብረካ። ነቲ ብክርስቶስ ዘሎካ ሰማያዊ ርስቲ ክትሸይጥ ይደልየካ። ብ4ይ ክፍሊ ዘመን አብ ደማስቆን አብ ኡሪሲናስን ቲኦሎጂውያን ሓደ ዝዕወት ጳጳስ ንምዃን አብ ውድድሮም ተባኢሶም። ኵምራ ሬሳታት አብ ኩለን ጽርጊኣያታት ሮማ ኸአ ገዲፎም። ብዙሓት እቶም ንክርስቶስ መሲሎም ዝነብሩ ካብቲ ዋጋ ዜብሉ ንምርሓቕ ንምድረ በዳ ተሰዲዶም። ነጻነት አምልኾ ብዝነበረን ጊዜ ወንጌላውያን አብያተ ክርስቲያናት መራሕቲ፣ ብዛዕባ አብ ነንሕድሕዶም ዝነብሮም ምንዕዓቕ ንስሓ ነቕርብ። ብዛዕባ እታ መንግስታዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን አብ ምስዳድ ወንጌላዊያን አብያተ ክርስቲያናትን፣ ነቶም ናታ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ ዘሎዎም ተዋህዶ ከይተርፉ ንምስዳድ ዝአተወት ቅኑዕ ንስሓ ነቕርብ። እግዚአብሄር አብ ምድርና ሰላም ክህበናን ብዘይፍርሃት በጥ ክንብልን፣ ሕሱማት አራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእን፣ ሴፍ ብሃገርና ከይሓልፍን ንጸሊ።

ሰነ 3, 2020

አማራርሓ አከአብ ጠሓሲ ሕጊ ነበረ። “አከአብ ከአ በቲ ናቦት ይዝርኤላዊ፣ ርስቲ አቦታተይ አይህበካን፣ ኢሉ ተዛሪቡዎ ዝነበረ ቓል ጒህዩን ተቘጢዑን ናብ ቤቱ አተወ። ገጹ ንንየው መሊሱ ኸአ አብ ዓራቱ በጥ በለ። እንጌራውን ምብላዕ አበየ። (1 ነገ. 21፦ 4) ኤርትራ ብዋጋ ምልእቲ ሃገር ንምዕራባውያን ክትሰግድ ግዴታኣ ድዩ? ንዘለአለም’ዶ ኤርትራ ክዘምቱ ክነብሩ እዮም? ክዘምቱናን ፍትሒ ከጥፍኡልናን 60 ዓመታት ሓሊፉ። ኤርትራ ካብ ምዝማት ደው ክብሉ ንጸሊ። ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ፣ ካብ ዛላምበሳ, ካብ ጾሮና ዀነ ካብ ዓሊ ሙሳ ጎቦታት እግዚአብሄር ክትነቅል ብዙሕ ጊዜ ጸሊና። እግዚአብሄር ጸሎትና ሰሚዑስ ዕርቂ ምስ ኢትዮጵያ ስል ዝገበርልና ነመስግኖ። መሬትና ክሳብ ሕጂ አብ ኢድና አይበጽሔን’ሞ እቲ ሕንጹጽ ዶብ ናብ ቀደሙ ክምለስን ኢትዮጵያውያን ዝወነንዎ ኩሉ ለቒቖም ክወጹ ንጸሊ

ሰነ 4, 2020

መንፈስ ኤዛቤል ናይ ግለ ሰባት መሰል እጥሕስ እዩ፣ “ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ ናብኡ መጺአ፣ እንጌራ ዘይትበልዕ፣ እንታይ ኴንካ ኢኻ መንፈስካ ጒህዩ ዘሎ በልቶ። ንሱ ኸአ ንናቦት ይዝርኤላዊ ብገንዘብ ወይ ንስኻ እንተ ፈቶኻ፣ አብ ክንዳኡ ኻልእ አታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፣ እቲ አታኽልቲ ወይንኻ ሃበኒ፣ ኢለዮ ነበርኩ፣ ንሱ ግና አታኽልቲ ወይነይሲ አይህበካን እየ፣ ኢሉኒ በላ። ሰበይቱ ኢዛቤል ከአ፣ ሕጅስ ንስኻ  ደይኰንካን አብ እስራኤል እትገዝእ ዘሎኻ? ተንስእ እንጌራ ብላዕ፣ ልብኻውን ይተሐጐስ፣ አታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ አነ ኽህበካ እየ በለቶ።” (1 ነገ. 21፦ 5-7) ኤዛቤል ዝዓበየትሉ አማጻጽአአ ናይ ግለ ሰባት መሰል ዘይሕለወሉ’ዩ ነይሩ፣ ከምኡውን አብ እስራኤል ይግበር ነይሩ። ከምኡ ናይ ኤዛቤል መንፈስ በቶም ግሩፖ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጌይሩ ናይ ኩሉ ሓሶት ምንጪ ወሬታት ኰይኖም ንኤርትራ ክቃወሙ ጸኒሖም እዮም። ከምኡ ኸአ በቶም አብ አማራርሓ ሃገር ኤርትራ ዘለዉ ናይ ኤዛቤል መንፈስ አብ ልዕሊ ግለ ሰባት ትካላት ዝነበሮም ከጨንቕ ጸኒሑ አሎ። እግዚአብሄር ነዚ ኹሉ ምጽላም ዝገብሮ ጸላኢ መወዳእታ ክገብረሉ ንጸሊ። እዚ መንፈስ ኢዛቤል አብ ኤርትራን አብ ሰብ ንግድን ካብ ዝደልዮ ነገራት ኩሉ ፈጺሙ ክመውት ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ ስም ንጸሊ።

ሰነ 5, 2020

መንፈስ ኢዛበልን ደቂ በልያልን ንጹህ ደም ንምፍሳስ ሓበሩ። “ብስም አከአብ ደብዳቤታት ጽሒፋ፣ ብማሕተሙ ድማ ሐቲማ፣ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም አብ ከተማ ናቦት ምስኡ ዚነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ሰደደተን። አብተን ደብዳቤታት ድማ፣ ጾም አውጁ፣ ንናቦት ከአ አብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ አቐምጥዎ። አብ መንጽሩ ድማ ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል አቐምጡ፣ ንሳቶም ከአ፣ ንአምላኽን ንንጉስን ረጊምካ ኢኻ፣ ኢሎም ይመስክሩሉ። አውጺኦም ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፣ ይሙት ከአ፣ ዚብል ጸሐፈት።” (1 ነገ. 21፦ 8-10) ኤረ ስለ ስም አምላኽ ኢልና ንበል። ብዘይ ተጨበጠ ምኽንያት፣ ሙሉእ ዓለም ንኤርትራ ክኸስስ’ሲ እንታይ’ዩ ወንጀላ? ንምንታይከ በቲ ጭቡጥ ዝገብርዎ ዓመጽ መራሕትና ዘይክሰሱ? ካብ ዝዀነ ይኹን ነገራት ኤርትራ፣ ኢዛቤልን መተሓባብርታን ጓዓዞም ሒዞም ክወጹ ንጸሊ። መሬትና አብ ኢድና አይበጽሔን። እቲ ወደብ አብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ አብቲ ባይታ፣ ብዘይ ሓደ ምድንጓይ መወዳእታ ክገብረሉ ጐይታ ንጸሊ።

ሰነ 6, 2020

ብዛዕባ ዕቤት አገልግሎትና ንጸሊ። “ተመሃሪ ኻብ መምህሩ አይበልጽን፣ ተማሂሩ ዝወድኤዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን”። (ሉቃ.6. 40፣ 1ጢሞ.4. 7) እግዚአብሄር ሰባት ከተንስአልናን እሙናት ኰይኖም ብጸሎት ምሳና ዝሓብሩና ክዀኑ ንጸሊ። ዘዝሰልጠኑ ናብ ካልኦት ሃገራት ስለዝኸዱ፣ ካልኦት ከነስልጥን አብ እግዚአብሄር ኵሉ ሳዕ ተስፋ አሎና’ሞ ንሆም ኢቫንጀሊዝምና ጸልዩ። ቅኑዕን ስሩዕን አምልኾ ንርእሶም ዘልምዱ፣ ብፍላይ እኳ አብ ብዙሓት ሕብረት አብያተ ክርስቲያናት ጸሎት ዝወስደሉ እዋናት ዘብቅዕ ምድላው ንምሃብ ፍቓድ አሎና።

ሰነ 7, 2020

ብዛዕባ ኤርትራን  መራሕትናን ንጸሊ “አታ ሰብ ንሱ ሰናይ ዘበለ አፍለጠካ፣ እግዚአብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከአ ክትፈቱ፣ ምስ አምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ፣ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ? (ሚኪያስ 6. 8) እግዚአብሄር ሰናይ ዘበለ ንኤርትራ ከፍልጥ ንጸሊ። ኤርትራ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከአ ክትፈቱ፣ ምስ አምላኻውን ብትሕትና ኽትመላለስ ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ። ነዚ ዝመስል ምእዛዝ እንተዘይኰይኑስ እግዚአብሄር ካብአ ዚደልዮ የለን።

ሰነ 8, 2020

“ናይ እግዚአብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፣ እግዚአብሄር አምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ”? “ዎ እስራኤል ሕጂኸ ንእግዚአብሄር አምላኽካ ኽትፈርሆ፣ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፣ ንእግዚአብሄር አምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፣ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፣ምእንቲ ኺጽብቐልካ፣ እዚ አነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናይ እግዚአብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፣ እግዚአብሄር አምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ? (ዘዳ.10. 12-13፣ ዘፍ.20. 11፣ ዘዳ.11.1) ኤርትራ ፍርሃት አምላኽ እግዚአብሄር ክህልዋ ንጸሊ። ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኰነ ናይታ ሃገር ሚኒስተራት፣ ወተሃደራትን፣ ኔቪን፣ ፖሊሳትን፣ ኩሉ ብመገዲ እግዚአብሃር ክማላለሱን፣ አምላኾም ክፈትውን ከግልግልዎን፣ ብጐይታ እግዚአብሄር ምሪሒት ክዓይዩን ንጸሊ።

ሰነ 9, 2020

“እምበአርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ፣ ክሳድኩምውን ደጊም አይተትርሩ። እግዚአብሄር አምላኽኩም፣ ንሱ አምላኽ አማልኽቲ፣ ጐይታ ጐይተት፣ እቲ ዓብዪ፣ እቲ ሓያል፣ እቲ ዜፍርህ አምላኽ፣ ገጽ ርእዩ፣ ዘየዳሉ፣ መማለዲ ኸአ ዘይቕበል እዩ”። (ዘዳ.10: 16-17) አብያተ ክርስትያናት በብግዜኡ ስለዘቕረባኦ ቅኑዕ ንስሓ አምላኽና ነመስግኖ። እግዚአብሄር ክዛረብ’ሞ ለውጢ ኸምጽእን፣ ኤርትራ ኸአ ንድምጺ እግዚአብሄር ሰሚዓ ክትምልሽ፣ ዕልቦ ልባውን ክግረዝ ንጸሊ። ደጊም ብድሕሪ’ዚ ተረርቲ ክሳድ ኰይኖም አይክርከቡን’ዮም። እግዚአብሄር ልቦም ከራሕርሕ ንጸሊ። ጴንጤቆስጣል አብያተ ክርስቲያናት ካብ ወንጌላዊያን አብያተ ክርስቲያናት ብምልመላ መንፈስ ቅዱስ ዝወጻ እየን። አፍ ኮሙኒስትን ሃገራት አስላምን ዝብሎዎ ካብ ሲ. አይ. ኤ ብሬጌን ጊዜ ዝመጻ እየን ይብሉ። ግጉይ ርድኢት’ዩ። መንግሥቲ ነተን ወንጌላውያን አብያተ ክርስቲያናት ከም ሲ. አይ. ኤ ጌይሩ ስለ ዝረአየን ንስሓ ነቕርብ።  መራሕቲ ኤርትራን ህዝባን እግዚአብሄር ከምልኹ ንጸሊ።

ሰነ 10, 2020

ስደተኛ ፍተዉ። “ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ፣ ንስደተኛውን ይፈቱ፣ እንጌራን ክዳንን ከአ ይህቦ። “ንስኻትኩም ድማ አብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፣ ስደተኛ ፍተዉ። ንእግዚአብሄር አምላኽካ ፍርሃዮ፣ ንእኡ አምልኽ፣ ናብኡ ኸአ ተጸጋዕ፣ ብስሙውን ምሐል”። (ዘዳ.10. 18-20). እግዚአብሄር አብ ምድሪ ኤርትራን አብ ህዝባን አብያተ ክርስቲያናትን ፍትሒ ከውጽእ ንጸሊ። ነቶም አብ ብዙሓት ሃገራት ፋሕ ዝበሉ ኤርትራውያን ድማ እንጌራን ክዳንን ክህቦም ንጸሊ። ኤርትራውያን ነቶም አብ ምድሪ ኤርትራ ዘለዉ ስደተኛታት ክፈትው ንጸሊ። ኩልና ከም እንፈልጦ ንሕና አብ ኩለን ሃገራት ዓለም ተሰዲድና አሎና ከም’ቲ ቃሉ ዝብሎ ኸአ፣ “ንስኻትኩም ድማ አብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም’ሞ ስደተኛታት ፍተዉ።” ቍ. 18። ከም ኤርትራውያን ንእግዚአብሄር አምላኽና ክንፈርሆን ንእኡ ከንምልኽን፣ ናብኡ ኸአ ክንጽጋዕ፣ ብስሙውን ክንጸንዕ ንጸሊ። ስደተኛታት ክንፈቱ ንጸሊ። ብልሽውና ብብዝሒ ይርኤ ስለ ዘሎ ነገራት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ከይከይድ ናይ ኩለን ሃገራት አፍሪቃ ድሕንነት ክሕሎ ንጸሊ።

ሰነ 11, 2020

እግዚአብሄር ውዳሴና ይኹን። “ንሱ ውዳሴኻ እዩ፣ እቲ ብዓይንኻ ዝርኤኻዮ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ አምላኽካ ድማ ንሱ እዩ። አቦታትካ ሰብዓ ነፍሲ ኸለዉ፣ ናብ ግብጺ ወረዱ፣ ሕጂ ኸአ እግዚአብሄር አምላኽካ ምብዛሕካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ገበረካ”። (ዘዳ.10. 21-22፣ 11. 23). እግዜአብሄር ንኤርትራ ንሱ ውዳሴአ ምዃኑ፣ እቲ ብዓይና ዝረአይቶ ዓቢይን ዘፍርህን ነገር ዝገበረላ አምላኻ ድማ ንሱ ምዃኑ ከዘክራ ንጸሊ። ኤርትራ ብዓይና ዝረአየቶ ናይ እግዚአብሂር ግኑንን ሓያልን ኢድ አሎ። በቲ ዓብዪ ስልጡን ኢዱ ንእግዚአብሄር አምላኽና ክንፈልጦ ጌይሩና’ዩ። ንሱ ኤርትራ ግንንቲ ሃገር ንኽትከውን ስለ ዝገብራ ዓብዪ ዘደንቕ ነገር ስርሑ ብምቝጻር ነመስግን። እግዚአብሄር ከብዝሓና ንጸሊ።

ሰነ 12, 2020

ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ናብ አምላኹ ይመለስ። “ብዝዀነ ምስሊ፣ ብመልክዕ ሰብአይ ወይ ሰበይቲ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ከይትባላሸዉ፣ አብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ዅሉ እንስሳ፣ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ አብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን፣”(ዘዳ.4. 16-17፣ 32. 5፣ ሮሜ.1. 23). ስለቲ ዝተገብረ ሓጢአት አብ ኤርትራ፣ ስለቲ ብልሹው እምነት፣ ጣኦትን፣ ዝኾነ ዓይነት እተወቕረ ምስልን፣ ናይ ሰብአይን ናይ ሰበይትን ምስሊ ፍረ መንፈሳዊ ዝሙትን፣ አብ ምብራቓዊ ሰሜንን ደቡባዊ ምብራቕን፣ አብ ገማግም ደሴታትን ዝግበር ዓለወኛነት እግዚአብሄር ይቕረ ክብል ንጸሊ። እታ ናይ ሰማይ ንግስቲ ትዓዪ አላ፣ ዝተወቕሩ ምስልታቶም ከዕኑን ልቦም ናብኡ ክመልስን ንጸሊ።

ሰነ 13, 2020

ምሕረት ንኤርትራን ህዝባን ንአውጅ። “ምስሊ አብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉ፣ ምስሊ አብ ትሕቲ ምድሪ አብ ማይ ዘሎ ዅሉ ዓሳ ኸአ፣ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፣ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ አዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል እሞ ነቶም እግዚአብሄር አምላኽካ አብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፣ ናይ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ”። (ዘዳ.4. 18-19). ኤርትራ አብ ፈጣሪአ ክንዲ ተምልኽ አብ ፍጡር ብምምላኻ እግዚአብሄር ምሕረት ክእውጀላ ንጸሊ። አብ ጸሓይን ወርሕን ከባኹብትን ብምትላል ዝሰግዱን ዘምልኹን ሰባት አለውና። አምላኽ ሰማይን ምድርን አብ ልዕሊ ኤርትራ ክስልጥንን አዚዩ ክልዕልን ንጸሊ።

ሰነ 14, 2020

ኤርትራ ንአምላኽኪ ስገዲ: “ንስኻትኩም ግና ከምዚ ሎሚ ዘሎኹምዎ፣ ምእንቲ ህዝቢ ርስቲ ኽትኰንዎ ኢሉ፣ እግዚአብሄር ካብ እቶን፣ ሓጺን፣ ካብ ግብጺ አውጺኡኩም እዩ”። (ዘዳ.4. 20). ነቶም ብሓይሊ ቅልጽሞም ሃገር ከም ዝወልዱ ዝሓስቡ ሰባት ንጸሊ። ኤርትራ ካብ ዘምክኽ ሓዊ እቶን ሓጺን ውግእ ናይ ጸላኢ እግዚአብሂር ከም ዘውጽአን፣ ናቱ ርስቲ ክትከውን ክምዚ ሕጂ ዘላቶ ከም ዝገበረ ክትፈልጥን ከተምልኾን ንጸሊ።

ሰነ 15, 2020

ነቶም ብብልሽውና ዝአምኑ እግዚአብሄር ሰማይን ምድርን ኤመስክረሎም እዩ። “ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድካ፣ አብታ ምድሪ ኸአ ነዊሕ ዘበን ምስ ተቐመጥኩም፣ ናይ ዝዀነ ገለ መልክዕ ዘሎዎ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ምስ እትበላሸዉ፣ ምእንቲ ኸተዀርይዎ ኸአ፣ አብ ቅድሚ እግዚአብሄር አምላኽካ ክፉእ ምስ እትገብሩ፣ ካብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጸንቱ፣ አነ ሎሚ ሰማይን ምድርን ኤመስክረልኩም አሎኹ። ፈጺምኩም ትበርሱ እምበር፣ ነዊሕ መዓልቲ አይትነብርዋን ኢኹም”።(ዘዳ.4.25-26). እግዚአብሄር አብ ልዕሊ ኤርትራ ብርሃን ገጹ ከንጸባርቕ’ሞ እቲ ብልሽውና ክፉእ ጣኦት አምልኾ፣ አምላኽና ስለ ዘቘጥዕ ንሱ ከቃልዖ ንጸሊ። ሰማይኒ ምድርን ዝምስክራሉ ብልሹው ጣኦት አምልኾ አሎ። ቅኑዕ ንስሓ ነቕርብ’ሞ ብጸሎት ህዝብና ናብኡ ክምለሱ ንበጀዎም። አብ እትፈልጥዎ ግሁድ ነገራት አተኩሩ። አቡዑር ይሕረዱ፣ ደም ምስ ማይ ሓዊሶም ይሰትዩ፣ ኪዳን ደም ይላማመዱ፣ ዕጣን ይዓጥኑን፣ ንዘይፈልጥዎ አምላኽ አብ ኩለን ኩርባታት ተዳጋጋሚ የምልኹ’ዮም። አብዚ ኸምዚ ቦታታት’ዚ ደቂ አንስትዮ ምዕባለ የብለንን።

ሰነ 16, 2020

ባዕዳዊ አምልኾ ንሰባት ካብ ምድሮም ይሰጉግ። “እግዚአብሄር አብ ማእከል ህዝብታት ኪብትነኩም እዩ፣ አብቶም እግዚአብሄር ናብ ኦም ዚወስደኩም አህዛብ ሒደት ቍጽሪ ኽትተርፉ ኢኹም። አብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ እተገብሩ ዘይርእዩ፣ ዘይሰምዑ፣ ዘይበልዑ፣ ዘየጨንዉ አማልኽቲ ዕጨይትን እምንን ከተገልግሉ ኢኹም። (ዘዳ.4. 27-28). ብሰብ ዝተሰርሑ አማልኽቲ ስለ ዘምልኹ እግዚአብሄር መንእሰያትና ይሰጉግን አብ ካልኦት ሃገራት ይብትንን አሎ’ሞ ምሕረቱን ይቕረታኡን ክህብ ንጸሊ። መንእሰያትና ዓዲ ክምለሱን ደጊም ምብትታን ከብቅዕ፣ ምምላስን ዕግበትን ክርከብ፣ ምሕረት እግዚአብሄር ክእውሕጀልና ንጸሊ። ነቶም አብ ምድሪ ወጻኢ ዘለዉ እግዚአብሄር አምላኾም ክፈልጡን ከምልኽዎን ንጸሊ። መገድታትናን ጽርጊያታትናን ብደቅናን መንእሰያትናን ክመልእ ንጸሊ።

ሰነ 17, 2020

ንእግዚአብሄር አምላኹ ዝደሊ ትውልዲ ይልምልም። “ካብኡ ግና ንእግዚአብሄር አምላኽካ እንተ ደሌኻዮ፣ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን እንተ ደሌኻዮስ ክትረኽቦ ኢኻ”። (ዘዳ.4. 29፣ 6.5፣ 30.1-3, 10). እቶም አብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኩሎም ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ክፈልጡን፣ ክደልዩዎን፣ ክረኽቡዎን፣ ካብኡ ክመሃሩን፣ ብሙሉእ ልቦምን፣ ብሙሉእ አእምሮኦምን፣ ብሙሉእ ሓይሎምን፣ ብሙሉእ ነፍሶምን ናብኡ ምጽላይ ክላማመዱን ንጸሊ።  አብተን ዝተበተኑለን ሃገራት አተኩሩ ከም ብዓል አውሮጳ ጀርመን፣ ኢጣሊያ፣ ስዊድን፣ ኖርወይ፣ ደንማርክ፣ አሜሪካ፣ አውስትራሊያ፣ ማእከላይ ምብራቕን አፍሪቃን።

ሰነ 18, 2020

እግዚአብሄር ቃል ኪዳኑ አብ ኤርትራ ክዝክር እዩ። “ምስ ጸበበካ፣ እዚ ዅሉ ምስ በጽሓካ፣ አብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናብ እግዚአብሄር አምላኽካ ኽትምለስ ኢኻ፣ ቃሉ ኸአ ክትሰምዕ ኢኻ። እግዚአብሄር አምላኽካ ርሕሩሕ አምላኽ እዩ ኣሞ፣ አይሐድገካን አየጥፍአካን፣ ነቲ ምስ አቦታትካ ዝመሐሎ ኺዳን አይርስዖን”። (ዘዳ.4.30-31፣ 31. 6). እግዚአብሄር አብ ኤርትራ ዝተዛረቦ ቃል ተስፋ ክፍጽም ንጸሊ። ነቶም አብ ወጻኢ ከለው ዝዓለዉ ኤርትራውያን ካብ ዓለወኛነቶም ናብ እግዚአብሄር ክምለሱን ቃሉ ክሰምዑን ንእኡ ምእዛዝ ክጅምሩን ንጸሊ። እግዚአብሄር አምላኽና መሓሪ አምላኽ እዩ’ሞ፣ ፈጺሙ ኸይርስዓና ንጸሊ። ምሳና ዘለዎ ቃል ኪዳኑ ኸይርስዕን፣ ከይገድፈናን ንጸሊ። ናብኡ ክመልሰናን ካብ ኩሉ አብሳና ከናግፈናን ንጸሊ።

ሰነ 19, 2020

ብጀካ ሓደ እግዚአብሄር አምላኽ ኻልእ አምላኽ የልቦን። “እግዚአብሄር ንሱ አምላኽ ከም ዝዀነ፣ ብጀካኡ ኻልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፣ ንአኻ ተራእየካ። ምእንቲ ኺምህረካ፣ ካብ ሰማይ ድምጹ አስምዓካ አብ ምድሪ ኸአ ዓብዪ ሓዊ አርአየካ፣ ቃላቱ ድማ ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕካ”። (ዘዳ.4. 35-36). ህዝቢ ኤርትራን፣ ሰብ ሕግን፣ ፈራዶን፣ መራሕትን፣ ብጀካ እግዚአብሄር አምላኽ ካልእ አምላኽ ከም ዘየሎ ክፈልጡ ንጸሊ። ቃሉ ንአአቶም ጓና አይኮነን ግን ዘይምእማንን ዕሽሽነትን፣ ጽልኢ እግዚአብሄርን መንግሥቱን አሎ። ባህሪያቶም እግዚአብሄር ክቕይሮ ንጸሊ።  ህዝቢ ኤርትራ እግዚአብሄር ንሱ አምላኽ ከም ዝዀነ፣ ብጀካኡ ኻልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ ንጸሊ።

ሰነ 20, 2020

እግዚአብሄር ካብ ኤርትራ ንዝሓየሉ ህዝብታት አብ ቅድሚአ ሰጐጐ። “ነቦታትካ ስለ ዝፈተዎም ድማ፣ ብድሕሪኦም ንዘርኦም ሐረየ፣ ባዕሉ ኸአ ብዓብዪ ሓይሉ ቀቅድሚኡ ኻብ ግብጺ አውጽአካ። ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኺህበካ፣ ናብአ ምእንቲ ኼእትወካ፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ኻባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ሰጐጎም”። (ዘዳ.4. 37-38). ምእንቲ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ/ት ክመሃር’ሲ እግዚአብሄር ነቦታትና ስለ ዝፈተዎም ብድሕሪኦም ንዘርኦም (ንአና) ከአ ከም ዝሓረየን ክፈልጡ ንጸሊ። እግዚአብሄር ብህልውናኡን ብሓይሉን አብ ቅድሜና ነተን ዓበይትን፣ ካባና ዝሓየላ ሃገራትን ሰጕጉ። ካብቲ ን4 ወሎዶ ዝወሰደ ሕሱም ዕንወት ውግእ አውጺኡና። ንአና ናብ ምድርና አምጺኡና። ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ንኽንወርሳን አብ ኢድና ሂቡና’ዩ። ምድራዊ ውርሲ ናይቲ ሰማያዊ ውርሲ ነጸብራቕ’ዩ። ስለዚ ንአውጀላ ብርሃንኪ ይብራህ ኤርትራ አንጸባርቒ ብርሃንኪ መጺኡ እዩ’ሞ አንጸባርቒ ንምንታይ መንእሰያትኪ ዝብተኑ ባህ ኢሉዎም ይውረሱኺ!!! ኢልና ንጸሊ።

ሰነ 21, 2020

እግዚአብሄር ካብ ኤርትራ ንዝሓየሉ ህዝብታት አብ ቅድሚአ ሰጐጐ። “እምበአር አብ ላዕሊ አብ ሰማይ አብ ታሕቲ ኸአ አብ ምድሪ፣ እግዚአብሄር፣ ንሱ አምላኽ ከም ዝዀነ ካልእ ከም ዜልቦ፣ ሎሚ ፍለጥ፣ አብ ልብኻውን ሕሰቦ”። (ዘዳ.4. 39, ቍ.35). ካብ ኤርትራ ዝሓየሉ ብዙሓት እግዚአብሄር ክሰጉግ ዝኸአለ አምላኽ ባዕሉ እዩ። ብብዝሒ አይንመጣጠንን። ብአጽዋር አይንመጣጠንን። አምላኽ ባዕሉ ውግእና ወዲእዎ።ኤርትራ ኢድ አምላኽ ዝረአየት ሃገር እያ። አብ ላዕሊ አብ ሰማይ አብ ታሕቲ ኸአ አብ ምድሪ እግዚአብሄር ንሱ አምላኽ ከም ዝዀነ ካልእ ከም ዜልቦ ሎሚ ኤርትራ ትፍለጥ አብ ልባውን ትሕሰቦ ኢልና ንጸሊ። ካልእ አምላኽ የልቦን።

ሰነ 22, 2020

ንአናን ንደቂ ደቅናን ክጽብቐልና እዩ። “ምስ ጸበበካ፣ እዚ ዅሉ ምስ በጽሓካ፣ አብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናብ እግዚአብሄር አምላኽካ ኽትምለስ ኢኻ፣ ቃሉ ኸአ ክትሰምዕ ኢኻ”። (ዘዳ.4. 30). ከምቲ እግዚአብሄር ዝአዘዘና ጌይራ፣ ኤርትራ እምንቲ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ክትሕሉ ንጸሊ። ነዚ ኤርትራ ምስ እትምልሸሉ፣ እቲ ዘሎ ተስፋ አምላኽ ቦትኡ ክሕዝን ንኤርትራ ሰናይ ክዀነላን ንጸሊ። ንአናን ብድሕሬና ድማ ንደቂ ደቅናን ኪጽብቐልና ንጸሊ። አብታ ንዘለአለም ዝሃበና አብ ምድርና መዓልትታትና ኺነውሕን ፍሪአ ክንጸግብን ንጸሊ።

ሰነ 23, 2020

“አብ ቅድመይ ካልኦት አማልኽቲ አይሃልውኻ። አብ ላዕሊ አብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፣ አብ ታሕቲ አብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፣ ወይ አብ ትሕቲ ምድሪ አብ ማይ ካብ ዘለዉ እተወቕረ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንአኻ አይትግበር፣ አነ እግዚአብሄር አምላኽካ፣ ንዚጸልኡኒ ሓጢአት አቦታት አብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፣ ቀናእ አምላኽ እየ እሞ፣ አይትስገደሎም፣ አይተምልኮም። ንዚፈትዉኒ ትእዛዛተይ ንዚሕልዉ ኸአ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚአብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ናጻ አይሐድጎን እዩ እሞ፣ ስም እግዚአብሄር አምላኽካ ብኸንቱ አይተልዕል። …. አብታ እግዚአብሄር አምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፣ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፣ ከምቲ እግዚአብሄር አምላኽካ ዝአዘዘካ፣ አቦኻን አዴኻን አኽብር። አይትቕተል። አይትዘሙ። አይትስረቕ። አብ ብጻይካ ብሓሶት አይትመስክር። ሰበይቲ ብጻይካ አይትመነ። ቤት ብጻይካ፣ ግራቱ ወይ ግዙኡ ወይ ግዝአቱ፣ ብዕራዩ ወይ አድጉ ወይ ናይ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ አይትመነ”። (ዘዳ.5. 7-21). እተን ዓሰርተ ሕጊ ትእዛዛቱ አብተን ሕግታት ናይ ኤርትራ ከይክሓዳን፣ ብጥንቁቕ መገዲ ክአትዋን ንጸሊ።

ሰነ 24, 2020

‘ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ’፣ “እግዚአብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፣ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ”። (ዘካ.7. 9). እግዚአብሄር ብደገ ዝርኤ መንፈሳዊ ዘይኰነስ ብውሽጣዊ መንፈሳዊ ሓቅነት ብምሕረት ምግባርን ብድንጋጽን ዝገሃድ፣ ሓቀኛ ፍርዲ ክፈርዱ እዩ ዝሓትት ዘሎ። ብፍላይ እኳ አብ መበለታትን፣ ዘኽታማትን፣ ስደተኛታትን ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ ይብል።  ኤርትራ ከም ቃል እግዚአብሄር አብ አመሓዳድርአ ሓቀኛ ፍርዲ ክትፈርድን፣ አብ ንሓድሕድና ድማ ሰናይን ምሕረትን ክንገብር ንጸሊ።

ሰነ 25, 2020

‘ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ’፣ “አትን ደሴታት፣ አብ ቅድመይ ስቕ በላ ህዝብታት ከአ ሓድሽ ሓይሊ ይወስኹ፣ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፣ ንዑ ሐቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።” (ኢሳ.42. 1፣ ሚክያስ 6.8) እታ እትስደድ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ከም አካል ክርስቶስ ጭንቕትን ግፍዕትንሲ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ አፍሊጥዋ እዩ’ሞ እግዚአብሄር አምላኽ ብአአ ጌይሩ ክጥቀም ንጸሊ። ሃገር ኤርትራ ቅንዕና ኽትገብር ምሕረት ከአ ክትፈቱ፣ ምስ አምላኻውን ብትሕትና ኽትመላልስ ክትክእል ክድግፉ መገዲ ክህቦም ንጸሊ። እግዚአብሄር አምላኽ ካብ ኤርትራ ዝደሎዮ እዚ እዩ። ብዘይ ጊዜኡ ብአቋራጺ መገዲ ዝመጽእ ጸቕጢ ተቓወሙ።

ሰነ 26, 2020

እግዚአብሄር ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ እዩ። “ጭፍሉቕ ሻምብቆ አይኪሰብርን፣ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ አይኬጥፍእን እዩ፣ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ”። (ኢሳ.42.3). እቶም አገልገልቲ እግዚአብሄር ብምሕረት አምላኽ ጸገንቲ ስቡራት ህይወት ጌይሩ ክጥቀመሎም ንጸሊ። ምሕረት እግዚአብሄር ዓብዪ እዩ። ጭፍሉቕ ሻምብቆ አይኪሰብርን፣ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ አይኬጥፍእን እዩ። ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ። ፍትሒ አብ ምድሪ ኤርትራ ኽሳዕ ዚምስርት ሓይሉ አይሐምቕን አይሕለልን ደሴታት ኤርትራ ከአ ሕጉ ኺጽበያ እየንሞ ፍትሒ ከውጽእ ንጸሊ።  ነቶም ብእምነቶም ምኽንያት ኰነ ብፖለቲካ ዝተአሰሩ ክፍትሑ ንጸሊ።

ሰነ 27, 2020

“ብጽድቂ ዝርኡ፣ ከም መጠን ምሕረቱ ኸአ ዕጸዱ፣ ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ። “ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ ጽድቂ ኸአ ክሳዕ ዜዝንመልኩምሲ፣ ንእግዚአብሄር እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፣ ንአኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፣ ከም መጠን ምሕረቱ ኸአ ዕጸዱ፣ ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ”። (ሆሴእ 10. 12) ሓድሽ ጽግኢ ዝጽጋእ አብ ቃድራ መሬት እዩ። ወንጌል ሰሚዖም ዘይፈልጡ፣ ህልውና እግዚአብሄር ዘይፈልጡ አብ ኤርትራ ይህልዉ ይዀኑ። አብ ሓድሽ ጽግኢ ንጸግአሉ ማለት ወንጌል እንዝርጋሓሉን ነፍሳት ናብኡ ንስሕበሉን ጐይታ ክህበና ንጸሊ። ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ ጽድቂ ኸአ ክሳዕ ዜዝንመልና አብ ምድሪ ኤርትራሲ፣ ንእግዚአብሄር እንደልየሉ ጊዜ እዩ’ሞ፣ ንአናን ንህዝብናን ብጽድቂ ወንጌሉ ክዘርእ ንጸሊ። ከም መጠን ምሕረቱ ኸአ ክንዓጽድ ሓድሽ ጽግኢውን ክንጸግእ እግዚአብሄር ክኽእለና ንጸሊ።

ሰነ 28, 2020

“ኵሉ ጊዜ ብአምላኽካ ተስፋ ግበር”። “እምበአርሲ ናብ አምላኽካ ተመለስ፣ ምሕረትን ፍርድን ሐሉ፣ ኵሉ ጊዜ ብአምላኽካ ተስፋ ግበር”። (ሆሴእ 12. 6). እቶም ምእመናን ብገዛኣ ትምኒቶም ተሳሒቦም እምነቶም ዝሓዋውሱ ናብ እግዚአብሄር ክምለሱን አብ ህይወቶም ቅኑዕ ለውጢ ከርእዩን፣ ምሕረትን ፍርድን ክሕልዉን ኩሉ ጊዜ ብአምላኾኦም ተስፋ ክገብሩን ንጸሊ። አብቶም ሰበ ስልጣናትን አብ ስደት ዘለውን አተኩሩ ሰብ ክልተ መገዲ ዝዀኑ ሰባት አለዉ።

ሰነ 29, 2020

ምስ ጸበቦም አንጊሆም ኪደልዩኒ እዮም”። “መንፈስ ምንዝርና አብ ውሽጦም አሎ፣ ንእግዚአብሄር ከአ አይፈልጥዎን እዮም እሞ፣ ናብ አምላኾም ከይምለሱስ ግብሮም ይኸልኦም”። ቍ 15 “…በደሎም ክሳዕ ዚፈልጡ፣ ገጸይ ከአ ክሳዕ ዝደልዩ፣ አነ ክኸይድ ናብ ቦታይውን ክምለስ እየ። ምስ ጸበቦም አንጊሆም ኪደልዩኒ እዮም”። (ሆሴእ 5. 4,14-15) አብ ኤርትራ ዘላ ቤተ ክርስትያንን እቶም መራሕቲ ሃገር ኤርትራን ክዕረቑ ንጸሊ። እግዚአብሄር ኬድሕን ምእንቲ ከም ጕሒላነቶም ከይፈድስ፣ ንእኡን ሰናዩን ምድላይ ክምሃሩ ንጸሊ። ብሓቂ ድማ እታ ቤተ ክርስቲያንን እታ ሃገርን ብምስምማዕ ክነብራ ንጸሊ። አምላኽ ድማ ብወገንና ክኸውን ንጸሊ።  ኤርትራ ኩሉ ጊዜ አብ አደባባያት ቤት ፍርዲ ፍትሒ ክትሕሉ ናብ አምላኽና ንጸሊ። አብቶም ዝተረፋውን እግዚአብሄር ብሓቂ ምሕረት ክህብ ንጸሊ።

ሰነ 30, 2020

“ስለ ቤት እግዚአብሄር አምላኽና ኢለ ሰናይኪ እደሊ አሎኹ”። “ንየሩሳሌም ሰላም ለአምኑላ፣ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም። አብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፣ አብ ውሽጢ አዳራሻትኪ ኸአ ልምዓት ይኹን። ስለ አሕዋተይን ብጾተይን፣ ሰላም ይኹነልኪ እብል። ስለ ቤት እግዚአብሄር አምላኽና ኢለ ሰናይኪ እደሊ አሎኹ”። (መ.ዳዊ.122. 6-9). ንሰላም ኢየሩሳሌም ከም ንአአ መፍቀርቲ ንጸሊ ክንሕሎ ድማ ኢና። እግዚአብሄር ንእስራኤልን ፍልስጢኤምን ሰላም አብ ውሽጢ ሃገረንን ዶባታተንን አብ ከባቢኤንን ክእውጀለን ንጸሊ። ፍልስጢኤማውያን ከም ሕሩያት እስራኤልውያን ምዃኖም አይንዘንጋዕ።

መምርሒ ጸሎት ብዛዕባ ኤርትራ ብቛዋሚን ቀጻልን ንእትጽሉዩ ንኹሉኹም ቃል በረኸት አዋጅ፣

እግዚአብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ/ኪ ስም አምላኽ ያእቆም ልዕል የብልካ/ኪ፣ ካብ መቕደሱ ረዲኤት ይስደደልካ/ኪ ካብ ጽዮን ከአ ይደግፍካ/ኪ። ንመስዋእትኻ/ኺ… ይዘክሮ/ይቀበሎ። ነቲ ልብኻ/ኺ ዝምነዮ ይሃብካ/ኪ ንምኽርኻ/ኺ ዘበለውን ይፈጽሞ። ብምንጋፍካ/ኪ እልል ንበል። ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም አምላኽና ነልዕሎ። ንኹሉ ልማኖኻ/ኺ እግዚአብሄር ይፈጽሞ። (መዝ.ዳ.20. 1-9).

መተሓሳሰቢ.

  • አብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ምጻምን ምጽላይን
  • ዝኾነ ይኹን እትፈልጥዎ ዜና ክንጽልየሉ ዝግባእ ብኢመይል ምስዳድ
  • ኩሉጊዜ አብ ክንዲ ቤተሰብን ሕብረተሰብን አብያተ-ክርስቲያናትን ሃገር ኤርትራን ቅኑዕ ንስሓ ምቕራብ
  • ኩሉጌዜ ካልአይቲ ቀዳም ብጾምን ጸሎትን ብዛዕባ ኤርትራ ጥራይ ምጽላይ እዩ።
  • ጐይታ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዛረቦ ብኢመይል ምስዳድ

E-mail: home2008.home@gmail.com

About eriprayer

It is a Christian Ministry that reaches out to people with the light of the gospel,near and far through person to person, e-mail and website.
This entry was posted in Uncategorized. Bookmark the permalink.

Leave a comment