HOME EVANGELISM AND PRAYER GUIDE FOR ERITREA, TIGRIGNA, JULY, 2021

መምርሒ ጸሎት ኤርትራ, ወርሒ ሐምለ, 2021

“…. those who are led by the Spirit of God are sons of God.” Rom.8: 14

HOME EVANGELISM AND PRAYER MINISTRIES

FOR FOREIGNERS IN KENYA, AND BEYOND

ብስም ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ሰላም እብለኩም። ንነፍሲ ወከፍ ዜናን ጸሎትን፣ ሓገዝን ዘበርከትኩምዎ ኩሉ አዚየ ኤመስግን። ደጋጊመ ብዛዕባ ትግሪኛ ርእቶኹም ብጣዕሚ ኤመስግን ተባርኹ። ጾር ሃገርና ኤርትራ ብዝዛየደን ቀጻልን አገዳስን ዝኾነ በዚ መምርሒ ጸሎትና ከካፍለኩም እደሊ። “ብርሃንኪ መጺኡ፣ ክብሪ እግዚአብሄር ከአ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፣ ተንስኢ ብርሂ። እንሆ፣ ጸልማት ንምድሪ ጣቕስ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም ግናኸ እግዚአብሄር አብ ልዕሌኺ ኺወጽእ ክብሩውን አብ ልዕሌኺ ኺድራኤ እዩ።” (ኢሳ. 60፦ 1-2)ጐይታ የሱስ ይመጽእ አሎ፣ ምህናጽ ሃገርናን አካል ክርስቶስን ብዝያዳ አዝዩ ይቐርብ አሎ። ንቤተሰብን፣ ሕብረተሰብን፣ አካል ክርስቶስን፣ ንብምልእታ ሃገርን ጸልዩ። ናይ ኮሙኒዝም መንፈስ አብ ሃገርና ይገዝእ ስለ ዘሎ ኤርትራ ዓቢዪ ጸሎት የድልያ እዩ። ስለ ናይ እምነት ጀጋኑ ቤተሰብ ጸልዩ፣ ነጻነት አምልኾ አውጁ።

  ነቶም አብ ስደት ዘለዉ (ከም አብ ማእከል ጐልጐል ንቑጻት ዓጻጽምቲ ዘለዉ) ብጸሎት፣ መንፈስ ቅዱስ ህይወቶም ከጽርዮን መርገም ገድሊ ካብ ህይወቶም ክሰብርን ጸልዩ። ካብ ብኰሎኒ ገዛእቲ ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ኤርትራ ብብዙሕ መከራ ምስ ህዝባ ትሓልፍ አላ። ወርቅናን ነሓስናን አስራዚናን ናይ ተሌፎን ኬብልናን(ቀደም ንኬንያ ብጸላእቲ ዝተሸጠ)፣ ብኾሬንቲ ዝዓዪ ዝነበረ ብህዋህው አቝሑ ዘማላልስ ዝነበረን፣ ካልእውን ክንዝርዝሮ ዘይከአል ሃብቲ ኤርትራ ተወሲዱዋ’ዩ፣ ጐይታ ክኽሕሳ ጸልዩ። (Please get information on the internet and go to UN/US Sanctions on Eritrea Latest Chapter in a Long History of Injustice) አብ ኤርትራ ፍርሃት እግዚአብሄር ዘሎዎም ሰባት ክህበናን ሃገርና ብኩሉ ዘድልያ ክትህነጽን ጸልዩ። ጸሐይን ንፋስን ዝናብን በብእዋኑ ክህበና ጸልዩ። በረድን ሽሾን ድርቅን ዘይኰነስ እኹል ዝናብ ንምዝራእን ብዙሕ ምህርቲ ንምሕፋስን ዘኽእል አብ ውሽጢ ወሰናታ ክህበና ንምሻጥ ዘኽእል ክኸውን ጸልዩ። አዚኹም ውግእ ተቓወሙ፣ ሰላም አውጁ።  ምሕንጻጽ ወሰን ምድሪ አብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወርሒ ሕዳር 2007 ዓ. ም. ጐይታ ስለ ዝወድኦ ነመስግን።  በቲ ፕረዚደትና ዝብሎ  አብቲ ESAT ቃለ መጠይቕ ክገብሩ ከለዉ ብለካቲት 2015, እቲ ናይ ቀደም ሕንጻጽ ከምዘለዎ ስለ ዘሎ ካልእ ሕንጻጽ ከም ዘይግበር፣ ከምዘለዎ ከምዝቐውም እዩ። ሓድሽ ሕንጻጽ ዝግበር የለን። ሓድሽ ዜና ግና ብ5 ሰነ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር አቢይ አሕመድ እቲ ቀያዲ ሕጊ ብዘይ ቅድመ ዅነት ከም ዝቕበሎን፣ ኤርትራ ድማ ብ20 ሰነ 2018 መልሲ ከም ዝሃበትሉ ንሰላም ዝርርብ ሰባት ንአዲስ አበባ ከም እትልእኽ ፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ ስለ ዝተዛረበ፣ ብሰላም ከም ዝፍጸም ኰይኑ አብ ስምምዕ ቀሪቦምን ወዲኦምን አሎዉ።  ኤርትራ ግድን እትደልዮ ዝነበረት ኢትዮጵያ ጓዓዛ ጠቕሊላ ምስ ወተሃደራታ ክትወጽእ ዝበለቶ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወተሃደራተን አልጊሰን አለዋ ። ካብ ኤርትራ ዝተወስደ ሃብቲ ክምለስ፣ ዝግባአ ካሕሳ ሒዙ ክመጽእ ብገዛእቲ ጊዜ ዝተወስደ ዀነ ብኢትዮጵያ ዝጠፍኤ ኩሉ ክምለሰላ ንጸሊ 17 ነሐሰ 2009 ብዝተበየኖም ፍርዲ ኤርትራ 10 ሚልዮን ናይ አሜሪካ ገንዘብ ንኢትዮጵያ ክትከፍልያ። አይትዘንግዑ፣ ብ2013ን ዓ. ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ወከልቲ ምስ ናይ ኤርትራ መዝነት መራሕቲ፣ብዛዕባ እተን ሃገራት ንባሕሪ ምእታው ግደ ዘይብለን፣ አብ ኦስትሪያ አኼባ ገይሮም ነይሮም። ክልቲኤን ብምስምማዕ ንባሕሪ ምምልላስ ኰነ ብመግድን ብባቡርን ንኽልቲኤን ብስምምዕ ከፊተን አለዋ። ኢትዮጵያ ነቲ ቀያዲ ሕጊ አብ አልጀርስ ምስ ኤርትራ ዝተፈራረምዎ አብ ግብሪ ንምውዓል ተሳማሚዓ አላ።ነቶም ኤርትራውያን ናይ ባንክ ወለድ ገንዘቦም ዝተዓገቶም፣ ንብረቶም ምስ ካልኦት ዝገደፉ ከመይ ጌሮም ከም ዝረኽብዎ አይፈልጡን’ዮም። ገለ ገሊኦም ንብረቶም ብግለ ሰባት ተወሲዱዎም አሎ። ስለዚ ብጸሎት ዘክሩዎም።  ብኹሉ ንስሓ አቕርቡ ንኤርትራ ብዙሕ ምሕረት ጐይታ አውጁ። ብዘይ ቅድመ ዅነት አብያተ ክርስቲያናት ክኽፈታን ናይ እምነት እሱራት ክፍትሑን ንጸሊ። መወዳእታ ናይ ኤርትራውያን ንብረት ምምላስ ብወርሒ መስከረም/ጥቅምቲ, 2019 ይውዳእ ተባሂሉ ነይሩ ግና አይተገብረን። ኢትዮጵያውያን ንብረት ኤርትራውያን የዕኑዉ ነይሮም። አምላኽ ካብቲ ዘካራኽር ቦታ ዅሉ ክነቕሎም ጸሊና። ካብ ሰነ 27, 2021 ጀሚሩ ባድመን ጾሮናን ኩሉ እቲ ዘካራኽር ቦታታት አብ ትሕቲ ኤርትራ አሎ።

እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚአብሄር ንሱ አምላኽ እዩ፣ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር ጥራያ ክትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፣ አነ እግዚአብሄር እየ ብጀካይውን ካልእ የልቦን። (ኢሳ.5. 18). ስለዚ ብዛዕባ ኤርትራ ምስጋና አቕርቡ። ጐይታ እግዚአብሄር ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራውያን ክትውረስ ስለ ዝደኰናን ዝፈጠራን፣ ፈጺማ ከም ዘይትባድም ጌሩ እግዚአብሄር ምሕረቱ አባና ስለ ዘዕዘዘ፣ ንአና ከአ ወሰናትና ስለ ዝቐደሰ ነመስግኖ። (ግ.ሃዋ.17. 26-28).

ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ/ ከትንብቦ/ ንሓትት።

ምልክታ

ዝኸበርኩም ናይ ጸሎት ብጾት እታ እንጽበያ ዝነበርና መጽሓፍ “SINGLES AND PASTORAL CARE” ዝአርእስታ ተሓቲማ አላ። ስለዚ መገብትን ሓዳር ዘይመስረቱን ገዚኦም ይጠቐሙላ። እዛ መጽሓፍ እዚአ ብዙሕ ርእዮታት ከተምጽእ ትኽእል እያ። ብፍላይ እኳ በቶም መንእሰያት ገና ምልላይን ናብራ ንምምስራትን ብዝደልዩ ብዙሕ ከተኩሩላ ዘሎዎም መጽሓፍ እያ። ስለዚ ብኢመይል ኰነ ብብሎግና ወይ ከአ ብስልኪ ጸዊዕኩም ሕተቱ አበይ ከም እትረኽብዎ ክንሕብረኩም ተበረኹ። “eriprayer.wordpress.com and our email pstkidisti@yahoo.com or home2008.home@gmail.com” እዚ አበይ ከምትረኽብዎ ሓበሬታ ንምርካብ ይሕግዝ። Mobile +254789034869 or +254722986251

ሓምለ 1, 2021

“ንእግዚአብሄር ምሳይ አዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ”! “ንእግዚአብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፣ ውዳሴኡ ንሓዋሩ አብ አፈይ እዩ። ነፍሰይ ብእግዚአብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም። ንእግዚአብሄር ምሳይ አዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ”። (መዝ.ዳ.34፦1-3) – ሙውታን አብ መቓብሮም ኰይኖም ንአምላኽ አየመስግንዎን’ዮም። እቶም ህያዋን ኢና እንብል ብእግዚአብሄር ባህ ኢሉና ስሙ ንባርኽ፣ ነመስግኖ፣ ነዕብዮ፣ አዚና ልዕል፣ ልዕል፣ ልዕል ነብሎ። እግዚአብሄር ካብ ኵሉ ኽፍአትን ጕድአትን ስለ ዝሐለወና ነመስግኖ። አብ ወጻኢ ሃገራት ሓላዊና ዀይኑ፣ ካብ ሕሱማት ቀተልቲ ስለ ዘድሓነና፣ ካብ አዕጽምቲ ስብራት፣ ካብ ስጋ ጉድአት፣ ካብ ነፍሲ ጥፍአት ስለ ዘድሓነና ነመስግኖ። ስለ እቶም ሰብ ህያው ዝዀነ ምስክርነት ዘሎዎም ጐይታ ነመስግን።

ሓምለ 2, 2021

“መልአኽ እግዚአብሄር አብ ዙሪያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከአ እዩ” “ንእግዚአብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ አናገፈኒ። ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ አይሐፍርን። እዚ ምስኪን እዚ አእወየ፣ እግዚአብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ አድሓኖ። መልአኽ እግዚአብሄር አብ ዙሪያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከአ እዩ”።(መዝ.ዳ.34፦4-7) ካብቶም ክፉአት እግዚአብሄር ነፍስና ስለ ዘድሓነ ነመስግን። እስቲ ምስቶም ኤርትራውያን ብመከራ ዝሓለፉ ኰንና፣ ስለቲ ዓብዪ ሐለዋኡ ነመስግን። ጓሳና ስለ ዝኾነ፣ አውያትና ሰሚዑ ስለ ዝምልሽ አምላኽና ነመስግኖ። ከምኡውን አብ ቅድሚ እቶም ሰብ ሃገር ዘሎናዮ ሞገስ ክህበና ንጸሊ።

ሓምለ 3, 2021

እቶም ንእግዚአብሄር ዝፈርህዎ ገለ አይጐድሎምን እዩ። “እግዚአብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ አብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። ነቶም ዚፈርህዎ ገለ አይጐድሎምን እዩ እሞ፣ አቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚአብሄር ፍርህዎ”። (መዝ.ዳ.34፦8-9). እግዚአብሄር ሰናይ ምዃኑ ነፍስና ጥዒማቶ እያ’ሞ ሰናዩ ነዘንቱ፣ አብ አጸዳትና ኸአ ነመስግኖ። ኹሉ እዋን ፍርሃት እግዚአብሄር ክህልወናን፣ ከም ዕለታዊ ናብራና ጌርና አብ ነንሕድሕድና ክንካባበርን ንጸሊ።

ሓምለ 4, 2021

እቶም ንእግዚአብሄር ዝደልይዎ ሰናይ ዘበለ ከቶ አይጐድሎምን እዩ። “ኰራኵር አናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚአብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ አይጐድሎምን። ደቀየ፣ ፍርሃት እግዚአብሄር ክምህረኩምሲ፣ ንዑ ስምዑኒ”።(መዝ.ዳ.34፦10-11) ፍርሃት እግዚአብሄርሲ አብ አምላኽና ጸግዒ ምድላይ እዩ። ካብ እግዚአብሄር ጥራይ ጸግዒ ክንደሊ ንጸሊ። እግዚአብሄር ጓሳዪና እዩ። ዝጐድለና የሎን። ንእግዚአብሄር ዕለት ዕለት ብጸሎት ንድለዮ። አብ ጐይታ ስለ ዝሎና ከአ ባህ ኢሉና ነመስግኖ።

ሓምለ 5, 2021

ሰላም ዝደልን ዝስዕባን ጽቡቕ መዓልትታት ይርኢ። “ህይወት ዚፈቱ፣ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን አሎ? መልሓስካ ኻብ እከይ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣ ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከአ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን”። (መዝ.ዳ.34፦12-14) አፍና ዕቝባና ክኸውን ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ። እከይን ጥልመትን አብ ደቂ ጐይታ አንፈት ከይረክብ ንጸሊ። መልሓስና ካብ እከይ ከናፍርናውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ክንሕሉ ንጸሊ። ሰናይ ምግባርን፣ ሰላም ምድላይን ምስዓባን አብ ምእመናንን ክዓዝዝ ንጸሊ።

ሓምለ 6, 2021

አዒንቲ እግዚአብሄር አብ ጻድቃን እየን ዝጥምታ። “አዒንቲ እግዚአብሄር ናብ ጻድቃን፣ አእዛኑ ኸአ ናብ አውያቶም እየን። ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍእስ ገጽ እግዚአብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ”። (መዝ.ዳ.34፦15-16) ጸሎት ሰሚዑ ዝምልሽ፣ ንብዓት አዒንትና ዝደርዝ አምላኽ ስለ ዝረኸብና ነመስግን። አዒንቲ እግዚአብሄር አብ ኤርትራውያን ክጥምታ፣ አእዛኑ አውያትና ክሰምዓ ንጸሊ። ገጽ እግዚአብሄር ናብቶም ከጥፍኡና ዝለዓዓሉ እከዮም ናብኦም ስለ ዝመልስ ንስሓ ክአትዉ ንጸሊ።

ሓምለ 7, 2021

እግዚአብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘሎዎም ቀረባኦም እዩ። “ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚአብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚአብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘሎዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘሎዎም ድማ የድሕኖም” (መዝ.ዳ.34፦17-18) እግዚአብሄር አውያትና ስለ ዝሰምዔ፣ ካብ መከራናውን ስለ ዘናገፈና ነመስግኖ። ነተን አብ ስደት ሃገራት ዝተተኽላ አብያተ ክርስቲያናት ጐይታ ክሕልወን ንጸሊ። ሆም ኢቫንጀሊዝም ነታ አብ ኡጋንዳ ዘላ ሻሎም ስትሪም ላይፍ ቤተ ክርስቲያን አብ ምምስራታ ብ2005 ዓ.ም. ብዙሕ ሓጊዝና ኢና። ብተወሳኺ ብታሕሳስ 4, 2016 አብቲ ምረቓ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ተኻፊልና ኢና። ጐይታ ብዅሉ ነገራት ከግፍሐን አዚዩ ከማዕብላን ንጸሊ።

ሓምለ 8, 2021

እግዚአብሄር ንጻድቕ ካብ ኩሉ መከራኡ የናግፎ እዩ። “ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚአብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን አዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ አይትስበርን”።(መዝ.ዳ.34፦19-20) መከራና እኳ እንተበዝሔ፣ እግዚአብሄር ካብ ኩሉ ከናግፈና ንጸሊ። ዋላ ብእምነትና ምኽንያት አብ ቤት ማእሰርቲ ንኹን፣ ወይ አብ ወጻኢ ንንነበር’ሲ፣ ጐይታ ጥዕናና ክሕሉ፣ አዕጽምትና ክባልህን ክከናኸነናን ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ።

ሓምሌ 9, 2021

“ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸአ ኪዅነኑ እዮም”። “ክፍአት ንረሲእ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸአ ኪዅነኑ እዮም”።(መዝ.ዳ.34፦21) እግዚአብሄር ነቶም ብኸንቱ ዝጸልኡና ናብኡ ክስሕቦምን ከድሕኖምን ንጸሊ። ቤተክርስቲያን ዘሳድድ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ዘክርዎ። አብቲ ናይ መንግስቲ ሚኒስትሪታት ሐደ ጐይታ ዝተቐበለ ሚኒስተር የብልናን። አብቶም ሚኒስተራት ምድሓን አውጁ። ነተን አገልግሎት ሚኒስትሪ ዝሰርሑለን እናሰሜና ንጸሊ። ጽድቂ እግዚአብሄር አብ ኩሉ ውሳኔኦም ክንጸባረቕ ንጸሊ።

ሓምለ 10, 2021

“እግዚአብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን”። “እግዚአብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም አብኡ ዚዕቍቡ ኸአ ሓደ እኳ አይዅነንን እዩ”።(መዝ.ዳ.34፦22) ስለ’ቲ ቃል ተስፋ አምላኽ እግዚአብሄር ነመስግን። እግዚአብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ክብጀወን ንጸሊ። ባሮት ጐይታስ ጥበበኛታት ክዀኑ፣ አብ እግዚአብሄር ንርእሶምን ቤተሰቦምን ምምዕቋብ ክመሃሩ ንጸሊ።

ሓምለ 11, 2021

እግዚአብሄር ተዋጋኢ እዩ። “ዎ እግዚአብሄር ነቶም ዚበአሱኒ ተብአሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግአዮም”። (መዝ.ዳ.35፦1) ነቶም ብኸንቱ ዝለዓዓሉና፣ ባእስን ጋእስን ዘምጽኡልና፣ ብኸንቱ ዚዋግኡና፣ ክፍአቶምን ባእሶምን ውግኦምን ጐይታ ናብአቶም ክመልሶ ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ።

ሓምለ 12, 2021

ዎ እግዚአብሄር ንነፍሰይ፣ ምድሓንኪ አነ እየ በላ”። “ዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ ንምርዳኤይ ተንስእ። ኵናት አንበጥብጥ፣ መገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾ፣ ንነፍሰይ፣ ምድሓንኪ አነ እየ በላ”። (መዝ.ዳ.35፦2-3) እግዚአብሄር ዋልታናን ጸግዕናን ኰይኑ፣ ሰጐጕትና ሰጕጉ መገዶም ክዓጹ ንጸሊ። እግዚአብሄር ነቲ ጽኑዕ መሠረት ምድሐኑ ክእውጅ’ሞ፣ ንሕና ንሱ ንንነፍስና ዝብሎ ክንሰምዖ፣ “ምድሓንኪ አነ እየ” ክብል ንጸሊ። ጐይታ ነፍሳት ምእመናን አብ ቤት ማእሰርቲ ኰነ አብ ዘዘለናዮ ክሕሉ ንጸሊ።

ሓምለ 13, 2021

“እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፣ “ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፣ ጥፍአተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። ከምቲ አብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝብቝ ይዅኑ፣ መልአኽ እግዚአብሄር ከአ የብርሮም”። (መዝ.ዳ. 35፦4-5) ሓሳብ እግዚአብሄር ህዝቡ ብህይወት ክነብር እምበር ክሞቱ አይኰነን። ነቶም ንነፍስና ዚደልዩስ፣ እግዚአብሄር ክተሃላልኾም ንጸሊ። ኵሎም ክንውሩን፣ ክሐፍሩን፣ ናድዮም ንድሕሪት ክምለሱን ንጸሊ። እግዚአብሄር ሐለውቲ መላእኽቱ አብ ዙሪያና ክሰፍር ንጸሊ። እግዚአብሄር ነቶም ዓለወኛታት ካብ ከባቢና ክሰጕግ ንጸሊ።

ሓምለ 14, 2021

እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋስ “መገዶም ጸልማትን መንድልህጾን ትኹን”። “ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንድልህጾን ትኹን፣ መልአኽ እግዚአብሄር ድማ ይስጐጎም። ብድንገት ጥፍአት ይምጽአዮም፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሓዞ፣ ንጥፍአቱ ናብአ ይውድቕ”። (መዝ.ዳ.35፦6-8) እዚ መንፈሳዊ ውግእ እዩ። እቶም ብዘይ ምኽንያት ዝጸልኡና፣ ብንስሐ ዝምለስ ልቢ እንተድአ አልዩዎም ናብ አምላኾም ይመለሱ። እንተ ዘይኮነ ግና፣ ነቶም ንነፍስና ዚደልዩ ዝዓግት ማዕቀብ ክገብረሎም ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ። መገዲ ዓለወኛታት ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልአኽ እግዚአብሄር ድማ ይስጐጎም። ብድንገት ጥፍአት ይምጽአዮም፣ እታ ዝሰወርዋ መፈንጠራኦም ትሓዞም፣ ንጥፍአቶም ናብአ ይውድቑ።

ሓምለ 15, 2021

እግዚአብሄር ንምስኪን ካብቲ ዝብዝብዞ የናግፍ እዩ። “ነፍሰይ ግና ብእግዚአብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ። አዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚአብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንአኻ ዚመስልከ መን አሎ፣ ኪብላ እየን”። (መዝ.ዳ.35፦9-10) ጐይታ ንስደትናን ማእሰርትናን መወዳእታ እንተዝገብረሉስ፣ አየ ኽንደይ ባህታን ሐጐስን ምርኤና። ነዘን ናይ ስደትን ማእሰርትን እዋናት ክሓጽራ፣ አምልኾ ነጻነት ክእወጀልና ንጸሊ። እዋን ባህታን ሐጐስን ርኢና፣ አዕጽምትና፣ ንአኻ ዚመስልከ መን አሎ እግዚአብሄር ክብላ ንጸሊ።

ሓምለ 16, 2021

እግዚአብሄር ነዚ ምስኪን ህዝብ ኤርትራ ከናግፎ እዩ። “ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፣ ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣ አብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዩኒ፣ ነፍሰይ ዘኽቲማ አላ”። (መዝ.ዳ.35፦11-12) ዎ አምላኽ ንስኻ ከሳስን ተኸስስን ኰንካ እንተ ዘይተማጕትካልና፣ ሓሰውቲ ምስክር ምስዝትንስኡና፣ ዘይፈለጥናዮ ነገር ይሐቱና፣ አብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዩና፣ ነፍሰና የዘኽትሙ አበይ ከነብል ካባኻ ሐሊፍና ጐይታ? አብ ከምዚ ዝአመሰለ ኵነታት መሎኮታዊ ረድኤትካ ሃበና ኢልና ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ።

ሓምለ 17, 2021

እግዚአብሄር እምንቶና ይኹን። “እግዚአብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፣ አእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸአ ኪሕልወን እዩ እሞ፣ ካብቲ ናይ ድንገት ስምባድ፣ ካብቲ ንረሲአን ዚመጾም ጥፍአት አይትሸበር”። (ምሳሌ 3፦ 25-26) ነቶም አብ ጐይታ ዘለዉ ድንገት ስምባድ አይመጾምን’ዩ። ግና በዕንቶም ጥራይ ክጥምትዎ፣ ረሲአን ዚረኽብዎ መስጣውን ክርእይዎ እዮም። (መዝ.ዳ.91፦8) ንዅልና ምእመናን፣ እዚ ቓል’ዚ ጥበብ ክዀነልና፣ አብ ልብና ከነሕድሮ ንጸሊ። በቲ ንረሲአን ዚመጾም ጥፍአት እንሰምዖን እንርእዮን ከይንውሰድ ንጸሊ።

ሓምለ 18, 2021

“ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ አይትኽልአዮ”። “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ኰይኑስ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ አይትኽልአዮ። ዝወሃብ ከሎካ፣ ንብጻይካ፣ ኪድ እሞ ተመለስ፣ ጽባሕ ክህበካ እየ፣ አይትበሎ”። (ምሳሌ 3፦ 27-28) ዕዳኹም ንምኽፋል ዝደንጐኹምሉ እንተድአ አልዩ፣ ወይ ከአ ገንዘብ ክትህቡ ኢልኩም ቃል አቲኹም’ሲ፣ ዘተስፈኹምዎ ሰብ ክሳዕ ዝሕለል ጊዜ ዝወሰድኩምሉ እንተ አልዩ፣ በዚ መዓልቲ’ዚ ጊዜ ወሲድኩም ቅኑዕ ንስሓ ንምቕራብ ተዳለዉ። ኢድኩም ክትገብሮ ዚከአላ ኸሎ ዝኸነብኩምሉ እንተሎ ህይወትኩም መርምሩ’ሞ ክትዝክሩ ፈትኑን ተናዘዙን። ዓሌት ሴም ዝዀንና ስእለት እንታይ ምዃኑ አዚና ንርድኦ ኢና። ወይ ንቤት እግዚአብሄር ወይ ንዝዀነ መንፈሳዊ አገልግሎት ሓገዝ፣ ወይ ንድኻታት፣ ስእለት ተሳኢልኩም ብምድንጓይ ዘይከፈልክምዎ እንተደአ አልዩ ሎሚ ቅኑዕ ንስሓ አቕሩቡ’ሞ ክፈልዎ ድማ።

ሓምለ 19, 2021

“ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ አይትበአስ”። “ንብጻይካ፣ አሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ አይትተናዀለሉ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ አይትበአስ”። (ምሳሌ 3፦ 29-30) እግዚአብሄር ካብ ሕሱማት ተታናዀልቲ ጐረባብቲ ክሕልወና ንጸሊ። ብዘይበደልዎም ሰብ ብዘይምኽንያት ስለ ዝበአሱዎም፣ ነቶም አብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ጐይታ ክሕልዎም ንጸሊ። ንዓይ ሕሰቡኒ ጐይታ ክሕልወኒ። ልዕሊ ኹሉ ሓለዋኡ ጐይታ ብዘድልየኒ ዅሉ ክባርኸኒ፣ ገንዘብን፣ ምስ እዚ አገልግሎት’ዚ ዝዓዩ ሰባትን ክህበኒ ጸልዩለይ። ብዘይግቡእ ክጸምዱኒ ንዝላዓሉ ሰባት ክዋጋአለይ ጸሉለይ።

ሓምለ 20, 2021

“እግዚአብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ” እዩ። “ብገፋዒ ሰብ አይትቕናእ፣ መገዱ ዘበለ ዅሉ አይትምረጽ። እግዚአብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ፣ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ”። (ምሳሌ 3፦ 31-32) ናይ ልብና ዝካፈል ቀረባ ዓርክና ጐይታ የሱስ ስለ ዘሎና ነመስግን። እግዚአብሄር ነቲ ገፋዒ ሰብን መገዱን ካባና ከርሕቕ ንጸሊ። እግዚአብሄር ነቶም ቔናናትን ፍንፉን ልማዶምን ካባና ንምርሓቕ ከኽእለና ንጸሊ።

ሓምለ 21, 2021

እግዚአብሄር ንማሕደር ጻድቃን ይባርኾ እዩ። “መርገም እግዚአብሄር አብ ቤት ረሲእ እዩ፣ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፣ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፣ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ”። (ምሳሌ 3፦ 33-35) ከም ህዝቢ አምላኽ ማሕደርና ክባረኽ፣ ከም ትሑታት ከአ ጸጋ ክበዝሓልና፣ ከም ጠቢባን ከአ ክብሪ ክንወርስ ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ። እግዚአብሄር መርገምን ላግጽን ውርደትን ካባናን ካብ ቤተሰብናን ካብ ሸኻ አገልግሎትናን ከርሕቕ ንጸሊ። እቶም ብኸንቱ ዝጸልኡና ዝፋልዉዎ ፋል፣ ጐይታ አብአቶም ክመልሶ ንጸሊ።

ሐምለ 22, 2021

እግዚአብሄር ካባና ዚደልዮ እንታይ እዩ? “አታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ አፍለጠካ፣ እግዚአብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከአ ክትፈቱ፣ ምስ አምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ፣ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ?” (ሚኪያስ 6. 8) እግዚአብሄር ሰናይ ዘበለ ንኤርትራ ከፍልጥ ንጸሊ። እግዚአብሄርሲ ኤርትራ ቅንዕና ኽትገብር ምሕረት ከአ ክትፈቱ ምስ አምላኻውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተዘይኰይኑስ ካብአ ዚደልዮ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ ንጸሊ።

ሐምለ 23, 2021

እግዚአብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ አሎ? “ዎ እስራኤል (ኤርትራ)ሕጂኸ ንእግዚአብሄር አምላኽካ ክትፈርሆ፣ ብኹሉ መገዱ፣ ኽትመላለስ፣ ንእግዚአብሄር አምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፣ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተግልግሎ፣ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፣ እዚ አነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናይ እግዚአብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተዘይኰይኑስ፣ እግዚአብሄር አምላኽካ ካባኻ ዝደልዮ እንታይ አሎ?” (ዘዳ.10. 12-13፣ ዘፍ.20. 11፣ ዘዳ.11.1) ኤርትራ ፍርሃት አምላኽ እግዚአብሄር ክህልዋ ንጸሊ። ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኰነ ናይታ ሃገር ሚኒስተራት፣ ወተሃደራትን፣ ኔቪን፣ ፖሊሳትን፣ ኩሉ ብመገዲ እግዚአብሄር ክማላለሱን፣ አምላኾም ክፈትውን ከግልግልዎን፣ ብጐይታ እግዚአብሄር ምሪሒት ክዓይዩን ንጸሊ።

ሐምለ 24, 2021

ዕልቦ ልብና ንግዘር። “እምበአርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ፣ ክሳድኩምውን አይተትርሩ።” (ዘዳ.10. 16). እግዚአብሄር ክዛረብ’ሞ ለውጢ ኸምጽእ ንጸሊ። መራሕቲ ኤርትራ ድምጺ እግዚአብሄር ሰሚዖም ክምልሹ፣ ዕልቦ ልቦም ክግረዝ ንጸሊ። ደጊም ብድሕሪ’ዚ ተረርቲ ክሳድ ኰይኖም አይክርከቡን’ዮም። እግዚአብሄር ልቦም ከራሕርሕ ንጸሊ።

ሐምለ 25, 2021

እግዚአብሄር አምላኽና ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ መማለዲ ኸአ ዘይቕበል እዩ። “እግዚአብሄር አምላኽኩም፣ ንሱ አምላኽ አማልኽቲ፣ ጐይታ ጐይተት፣ እቲ ዓብዪ፣ እቲ ሓያል፣ እቲ ዜፍርህ አምላኽ፣ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ መማለዲ ኸአ ዘይቕበል እዩ”። (ዘዳ.10.17) እግዚአብሄር አምላኽና ንሱ አምላኽ አማልኽቲ ጐይታ ጐይተት፣ እቲ ዓብዪ፣ እቲ ሓያል እቲ ዜፍርህ አምላኽ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ መማለዲ ከአ ዘይቅበል እዩ’ሞ፣ መራሕቲ ኤርትራን ህዝባን እግዚአብሄር ከም ሓያልነቱን ከም ጻድቕነቱን ከምልኽዎ ንጸሊ።

ሐምለ 26, 2021

እግዚአብሄር ብሓቒ ፍትሒ የውጽእ እዩ። ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ፣ ንስደተኛታትውን ይፈቱ፣ እንጌራን ክዳንን ከአ ይህቦ”። (ዘዳ.10. 18). እግዚአብሄር አብ ምድሪ ኤርትራን አብ ህዝባን አብያተ ክርስቲያናትን ፍትሒ ከውጽእ ንጸሊ። ነቶም አብ ብዙሓት ሃገራት ፋሕ ዝበሉ ኤርትራውያን ድማ እንጌራን ክዳንን መዕቐልን ክህቦም ንጸሊ።

ሐምለ 27, 2021

“ስደተኛታት ፍተዉ”። ንስኻትኩም ድማ አብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም ስደተኛታት ፍተዉ”። (ዘዳ.10. 19-20). ኤትራውያን ነቶም አብ ምድሪ ኤርትራ ዘለዉ ስደተኛታት ክፈትው ንጸሊ። ኩልና ከም እንፈልጦ ንሕና አብ ኩለን ሃገራት ዓለም ተሰዲድና አሎና ከም’ቲ ቃሉ ዝብሎ ኸአ:  ከም ኤርትራውያን ንእግዚአብሄር አምላኽና ክንፈርሆን ንእኡ ከንምልኽ፣ ናብኡ ኸአ ክንጽጋዕ፣ ብስሙውን ክንጸንዕ ንጽሊ።   

ሐምለ 28, 2021

“ንእግዚአብሄር አምላኽካ ፍርሃዮ”። “ንእግዚአብሄር አምላኽካ ፍርሃዮ፣ ንእኡ አምልኽ፣ ናብኡ ኸአ ተጸጋዕ፣ ብስሙውን ምሐል። ንሱ ውዳሴኻ እዩ፣ እቲ ብዓይንኻ ዝርኤኻዮ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ አምላኽካ ድማ ንሱ እዩ። አቦታትካ ሰብዓ ነፍሲ ኸለዉ፣ ናብ ግብጺ ወረዱ፣ ሕጂ ኸአ እግዚአብሄር አምላኽካ ምብዛሕካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ገበረካ”። (ዝዳ.10. 21-22፣ 11. 23). እግዚአብሄር ንኤርትራ ንሱ ውዳሴአ ምዃኑ፣ እቲ ብዓይና ዝረአይቶ ዓብዪን ዘፍርህን ነገር ዝገበረላ አምላኻ ድማ ንሱ ምዃኑ ክትዝክር ንጸሊ። ኤርትራ ብዓይና ዝረአየቶ ናይ እግዚአብሄር ግኑንን ሓያልን ኢድ አሎ። በቲ ዓብዪ ስልጡን ኢዱ፣ ንእግዚአብሄር አምላኽና ክንፈልጦ ጌይሩና’ዩ። ንሱ ኤርትራ ግንንቲ ሃገር ንኽትከውን ስለ ዝገብራ፣ ዓብዪን ዘደንቕ ነገር ስርሑን ብምቝጻር፣ ብጸሎት ነመስግን። እግዚአብሄር ከብዝሓና ድማ ንጸሊ።

ሐምለ 29, 2021

ብአምልኾ ጣኦት ከይትባላሸዉ ተሓለዉ። “ብዝዀነ ምስሊ፣ ብመልክዕ ሰብአይ ወይ ናይ ሰበይቲ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ከይትባላሸዉ፣ አብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ዅሉ እንስሳ፣ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ አብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን፣ …” (ዘዳ.4. 16-17፣ 32. 5፣ ሮሜ.1. 23). ስለቲ ዝተገብረ ሓጢአት አብ ኤርትራ፣ ስለቲ ብልሹው እምነት፣ ጣኦትን፣ ዝኾነ ዓይነት እተወቕረ ምስልን፣ ናይ ሰብአይን ናይ ሰበይትን ምስሊ ፍረ መንፈሳዊ ዝሙትን፣ አብ ምብራቓዊ ሰሜንን ደቡባዊ ምብራቕን፣ አብ ገማግም ደሴታትን ዝግበር ዓለወኛነት እግዚአብሄር ይቕረ ክብል ንጸሊ። እታ ናይ ሰማይ ንግስቲ ትዓዪ አላ፣ ዝተወቕሩ ምስልታቶም ክዓኑን ልቦም ናብኡ ክመልስን ንጸሊ።

ሐምለ 30, 2021

ብአምልኾ ጣኦት ከይትባላሸዉ ተሓለዉ። “ምስሊ አብ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ፣ ምስሊ አብ ትሕቲ ምድሪ አብ ማይ ዘሎ ዅሉ ዓሳ ኸአ፣ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፣ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ አዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፣ እሞ ነቶም እግዚአብሄር አምላኽካ አብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፣ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ”። (ዘዳ.4። 18-19) ኤርትራ አብ ፈጣሪአ ክንዲ ተምልኽ አብ ፍጡር ብምምላኻ እግዚአብሄር በዲላ እያ’ሞ ምሕረት ክእውጀላ ንጸሊ። አብ ጸሓይን ወርሕን ከባኹብትን ብምትላል ዝሰግዱን ዘምልኹን ሰባት አለውና። አምላኽ ሰማይን ምድርን አብ ልዕሊ ኤርትራ ክስልጥንን አዚዩ ክልዕልን ንጸሊ።

ሐምለ 31, 2021

ንእስራኤል ንጸሊ። “እነሆ ንዳዊት ጻድቕ ጨንፈር ዘተንስአለን መዓልትታት ይመጻ አለዋ። ንሱ ነጊሱ ኺገዝእ ኪቐንዖ ድማ እዩ ይብል እግዚአብሄር”። (ኤር.23. 5-6) እግዚአብሄር እቲ ጻድቕ ዝኾነ መሲሕ አብ ምድሪ እስራኤልን ኤርትራን ከተንስእ ንጸሊ። ንሱ ፍትሕን ቅኑዕ ፍርድን ዘምጽእ ኰይኑ ክነግስ ንጸሊ። አይሁዳውያን ብብሉይ ኪዳን ናይ ሕጊ ሙሴ ስለ ዝአምኑ፣ እግዚአብሄር ንመምለኽቲ በዓል (መላእኽትን ሰባትን ንዘምልኹ) ብሐጢአቶም ክረትዖም ንጸሊ። ነቲ ኵሉ ዝፈጠረ ሓቀኛ አምላኽ ክዝክሩ ንጸሊ።

መምርሒ ጸሎት ብዛዕባ ኤርትራ ብቛዋሚን ቀጻልን ንእትጽሉዩ ንኹሉኹም ቃል በረኸት አዋጅ፣

እግዚአብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ/ኪ ስም አምላኽ ያእቆብ ልዕል የብልካ/ኪ፣ ካብ መቕደሱ ረዲኤት ይስደደልካ/ኪ ካብ ጽዮን ከአ ይደግፍካ/ኪ። ንመስዋእትኻ/ኺ… ይዘክሮ/ይቀበሎ። ነቲ ልብኻ/ኺ ዝምነዮ ይሃብካ/ኪ ንምኽርኻ/ኺ ዘበለውን ይፈጽሞ። ብምንጋፍካ/ኪ እልል ንበል። ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም አምላኽና ነልዕሎ። ንኹሉ ልማኖኻ/ኺ እግዚአብሄር ይፈጽሞ። (መዝ.ዳ.20. 1-9).

መተሓሳሰቢ.

  • አብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ምጻምን ምጽላይን
  • ዝኾነ ይኹን እትፈልጥዎ ዜና ክንጽልየሉ ዝግባእ ብኢመይል ምስዳድ
  • ኩሉጊዜ አብ ክንዲ ቤተሰብን ሕብረተሰብን አብያተ-ክርስቲያናትን ሃገር ኤርትራን ቅኑዕ ንስሓ ምቕራብ
  • ኩሉጌዜ ካልአይቲ ቀዳም ብጾምን ጸሎትን ብዛዕባ ኤርትራ ጥራይ ምጽላይ እዩ።
  • ጐይታ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዛረቦ ብኢመይል ምስዳድ

E-mail: home2008.home@gmail.com

About eriprayer

It is a Christian Ministry that reaches out to people with the light of the gospel,near and far through person to person, e-mail and website.
This entry was posted in Uncategorized. Bookmark the permalink.

Leave a comment