HOME EVANGELISM AND PRAYER GUIDE FOR ERITREA, TIGRIGNA, JULY 2020

መምርሒ ጸሎት ኤርትራ, ወርሒ ሐምለ, 2020

 “…. those who are led by the Spirit of God are sons of God.” Rom.8: 14

 HOME EVANGELISM AND PRAYER MINISTRIES

FOR FOREIGNERS IN KENYA, AND BEYOND

 ብስም ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ሰላም እብለኩም። ንነፍሲ ወከፍ ዜናን ጸሎትን፣ ሓገዝን ዘበርከትኩምዎ ኩሉ አዚየ ኤመስግን። ደጋጊመ ብዛዕባ ትግሪኛ ርእቶኹም ብጣዕሚ ኤመስግን ተባርኹ። ጾር ሃገርና ኤርትራ ብዝዛየደን ቀጻልን አገዳስን ዝኾነ በዚ መምርሒ ጸሎትና ከካፍለኩም እደሊ። “ብርሃንኪ መጺኡ፣ ክብሪ እግዚአብሄር ከአ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፣ ተንስኢ ብርሂ። እንሆ፣ ጸልማት ንምድሪ ጣቕስ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም ግናኸ እግዚአብሄር አብ ልዕሌኺ ኺወጽእ ክብሩውን አብ ልዕሌኺ ኺድራኤ እዩ።” (ኢሳ. 60፦ 1-2)ጐይታ የሱስ ይመጽእ አሎ፣ ምህናጽ ሃገርናን አካል ክርስቶስን ብዝያዳ አዝዩ ይቐርብ አሎ። ንቤተሰብን፣ ሕብረተሰብን፣ አካል ክርስቶስን፣ ንብምልእታ ሃገርን ጸልዩ። ናይ ኮሙኒዝም መንፈስ አብ ሃገርና ይገዝእ ስለ ዘሎ ኤርትራ ዓቢዪ ጸሎት የድልያ እዩ። ስለ ናይ እምነት ጀጋኑ ቤተሰብ ጸልዩ፣ ነጻነት አምልኾ አውጁ።

ነቶም አብ ስደት ዘለዉ (ከም አብ ማእከል ጐልጐል ንቑጻት ዓጻጽምቲ ዘለዉ) ብጸሎት፣ መንፈስ ቅዱስ ህይወቶም ከጽርዮን መርገም ገድሊ ካብ ህይወቶም ክሰብርን ጸልዩ። ካብ ብኰሎኒ ገዛእቲ ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ኤርትራ ብብዙሕ መከራ ምስ ህዝባ ትሓልፍ አላ። ወርቅናን ነሓስናን አስራዚናን ናይ ተሌፎን ኬብልናን(ቀደም ንኬንያ ብጸላእቲ ዝተሸጠ)፣ ብኾሬንቲ ዝዓዪ ዝነበረ ብህዋህው አቝሑ ዘማላልስ ዝነበረን፣ ካልእውን ክንዝርዝሮ ዘይከአል ሃብቲ ኤርትራ ተወሲዱዋ’ዩ፣ ጐይታ ክኽሕሳ ጸልዩ። (Please get information on the internet and go to UN/US Sanctions on Eritrea Latest Chapter in a Long History of Injustice) አብ ኤርትራ ፍርሃት እግዚአብሄር ዘሎዎም ሰባት ክህበናን ሃገርና ብኩሉ ዘድልያ ክትህነጽን ጸልዩ። ጸሐይን ንፋስን ዝናብን በብእዋኑ ክህበና ጸልዩ። በረድን ሽሾን ድርቅን ዘይኰነስ እኹል ዝናብ ንምዝራእን ብዙሕ ምህርቲ ንምሕፋስን ዘኽእል አብ ውሽጢ ወሰናታ ክህበና ንምሻጥ ዘኽእል ክኸውን ጸልዩ። አዚኹም ውግእ ተቓወሙ፣ ሰላም አውጁ።  ምሕንጻጽ ወሰን ምድሪ አብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወርሒ ሕዳር 2007 ዓ. ም. ጐይታ ስለ ዝወድኦ ነመስግን።  በቲ ፕረዚደትና ዝብሎ  አብቲ ESAT ቃለ መጠይቕ ክገብሩ ከለዉ ብለካቲት 2015, እቲ ናይ ቀደም ሕንጻጽ ከምዘለዎ ስለ ዘሎ ካልእ ሕንጻጽ ከም ዘይግበር፣ ከምዘለዎ ከምዝቐውም እዩ። ሓድሽ ሕንጻጽ ዝግበር የለን። ሓድሽ ዜና ግና ብ5 ሰነ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር አቢይ አሕመድ እቲ ቀያዲ ሕጊ ብዘይ ቅድመ ዅነት ከም ዝቕበሎን፣ ኤርትራ ድማ ብ20 ሰነ 2018 መልሲ ከም ዝሃበትሉ ንሰላም ዝርርብ ሰባት ንአዲስ አበባ ከም እትልእኽ ፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ ስለ ዝተዛረበ፣ ብሰላም ከም ዝፍጸም ኰይኑ አብ ስምምዕ ቀሪቦምን ወዲኦምን አሎዉ።  ኤርትራ ግድን እትደልዮ ዝነበረት ኢትዮጵያ ጓዓዛ ጠቕሊላ ምስ ወተሃደራታ ክትወጽእ ዝበለቶ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወተሃደራተን አልጊሰን አለዋ ። ካብ ኤርትራ ዝተወስደ ሃብቲ ክምለስ፣ ዝግባአ ካሕሳ ሒዙ ክመጽእ ብገዛእቲ ጊዜ ዝተወስደ ዀነ ብኢትዮጵያ ዝጠፍኤ ኩሉ ክምለሰላ ንጸሊ 17 ነሐሰ 2009 ብዝተበየኖም ፍርዲ ኤርትራ 10 ሚልዮን ናይ አሜሪካ ገንዘብ ንኢትዮጵያ ክትከፍልያ። አይትዘንግዑ፣ ብ2013ን ዓ. ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ወከልቲ ምስ ናይ ኤርትራ መዝነት መራሕቲ፣ብዛዕባ እተን ሃገራት ንባሕሪ ምእታው ግደ ዘይብለን፣ አብ ኦስትሪያ አኼባ ገይሮም ነይሮም። ክልቲኤን ብምስምማዕ ንባሕሪ ምምልላስ ኰነ ብመግድን ብባቡርን ንኽልቲኤን ብስምምዕ ከፊተን አለዋ። ኢትዮጵያ ነቲ ቀያዲ ሕጊ አብ አልጀርስ ምስ ኤርትራ ዝተፈራረምዎ አብ ግብሪ ንምውዓል ተሳማሚዓ አላ።ነቶም ኤርትራውያን ናይ ባንክ ወለድ ገንዘቦም ዝተዓገቶም፣ ንብረቶም ምስ ካልኦት ዝገደፉ ከመይ ጌሮም ከም ዝረኽብዎ አይፈልጡን’ዮም። ገለ ገሊኦም ንብረቶም ብግለ ሰባት ተወሲዱዎም አሎ። ስለዚ ብጸሎት ዘክሩዎም።  ብኹሉ ንስሓ አቕርቡ ንኤርትራ ብዙሕ ምሕረት ጐይታ አውጁ። ብዘይ ቅድመ ዅነት አብያተ ክርስቲያናት ክኽፈታን ናይ እምነት እሱራት ክፍትሑን ንጸሊ። መወዳእታ ናይ ኤርትራውያን ንብረት ምምላስ ብወርሒ መስከረም/ጥቅምቲ ይውዳእ ተባሂሉ ይውረ ነይሩ።

እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚአብሄር ንሱ አምላኽ እዩ፣ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር ጥራያ ክትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፣ አነ እግዚአብሄር እየ ብጀካይውን ካልእ የልቦን። (ኢሳ.5. 18). ስለዚ ብዛዕባ ኤርትራ ምስጋና አቕርቡ። ጐይታ እግዚአብሄር ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራውያን ክትውረስ ስለ ዝደኰናን ዝፈጠራን፣ ፈጺማ ከም ዘይትባድም ጌሩ እግዚአብሄር ምሕረቱ አባና ስለ ዘዕዘዘ፣ ንአና ከአ ወሰናትና ስለ ዝቐደሰ ነመስግኖ። (ግ.ሃዋ.17. 26-28).

ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ/ ከትንብቦ/ ንሓትት።

ዝኸበርኩም ናይ ጸሎት ብጾት እታ እንጽበያ ዝነበርና መጽሓፍ “SINGLES AND PASTORAL CARE” ዝአርእስታ ተሓቲማ አላ። ስለዚ መገብትን ሓዳር ዘይመስረቱን ገዚኦም ይጠቐሙላ። እዛ መጽሓፍ እዚአ ብዙሕ ርእዮታት ከተምጽእ ትኽእል እያ። ብፍላይ እኳ በቶም መንእሰያት ገና ምልላይን ናብራ ንምምስራትን ብዝደልዩ ብዙሕ ከተኩሩላ ዘሎዎም መጽሓፍ እያ። ስለዚ ብኢመይል ኰነ ብብሎግና ወይ ከአ ብስልኪ ጸዊዕኩም ሕተቱ አበይ ከም እትረኽብዎ ክንሕብረኩም ተበረኹ። “eriprayer.wordpress.com and our email pstkidisti@yahoo.com or home2008.home@gmail.com” እዚ አበይ ከምትረኽብዎ ሓበሬታ ንምርካብ ይሕግዝ። Mobile +254789034869 or +254722986251

ሓምለ 1, 2020

ንእግዚአብሄር ምሳይ አዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ: “ንእግዚአብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፣ ውዳሴኡ ንሓዋሩ አብ አፈይ እዩ። ነፍሰይ ብእግዚአብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም። ንእግዚአብሄር ምሳይ አዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ”። (መዝ.ዳ.34፦1-3) – ሙውታን አብ መቓብሮም ኰይኖም ንአምላኽ አየመስግንዎን’ዮም። እቶም ህያዋን ኢና እንብል ብእግዚአብሄር ባህ ኢሉና ስሙ ንባርኽ፣ ነመስግኖ፣ ነዕብዮ፣ አዚና ልዕል፣ ልዕል፣ ልዕል ነብሎ። እግዚአብሄር ካብ ኵሉ ኽፍአትን ጕድአትን ስለ ዝሐለወና ነመስግኖ። አብ ወጻኢ ሃገራት ሓላዊና ዀይኑ፣ ካብ ሕሱማት ቀተልቲ ስለ ዘድሓነና፣ ካብ አዕጽምቲ ስብራት፣ ካብ ስጋ ጉድአት፣ ካብ ነፍሲ ጥፍአት ስለ ዘድሓነና ነመስግኖ። ስለ እቶም ሰብ ህያው ዝዀነ ምስክርነት ዘሎዎም ጐይታ ነመስግን። ብወርሒ ሰነ 5, 2018 ኢትዮጵያ ስለ ዝወሰነቶ ብዛዕባ እቲ ቀያዲ ሕጊ አብ አልጀርስ ዝተፈራረምኦ ብዘይ ሓደ ቅድመ ኲነት ምቕባሉ፣ ብምስጋና ንቀበሎ። ብምሕረት ዝመጽእ በረኸት ተኻፈልቲ ስለ ዝዀንና፣ አብ ኢትዮጵያ ነቲ ቀያዲ ሕጊ ክልቲኤን ሀገራት አብ አልጀርስ ዝተፈራረምኦ ንኸይፍጸም ክብሉ፣ ሰላማዊ ሰልፍታት ንዘካየዱ ሰባት ምሕረት አውጁሎም። ክቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር አቢይ አሕመድ ዝበሎ መልሲ ብሰነ 20, 2018 ንሰላም ዝርርብ፣ ንአዲስ አበባ ልኡኻት ክንሰድድ ኢና ብምባል ሰናይ መልሲ ስለ ዝሃበሉ ስለ ዝገበሮ ኸአ ጎይታ አመስጊንና ኢና። ግናኽ መሬትና አብ ኢድና አይበጽሔን። ስለዚ ዘይተወድኤ ጉዳይ አሎና’ሞ ዶብና አብ ቦትኡ ክምለስን መሬትናውን አብ ኢድና ክአቱ ንጸሊ።

ሓምለ 2, 2020

ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ አይሐፍርን። “ንእግዚአብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ አናገፈኒ። ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ አይሐፍርን። እዚ ምስኪን እዚ አእወየ፣ እግዚአብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ አድሓኖ። መልአኽ እግዚአብሄር አብ ዙሪያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከአ እዩ”። (መዝ.ዳ.34፦4-7) ንእግዚአብሄር ደሊናዮ ስለ ዝመለሰልና፣ ዑቝባና ዀይኑ ንነፍስና ስለ ዘድሓነ ነመስግን። ስለቲ ዓብዪ ሐለዋኡ ነመስግን። ጓሳና ስለ ዝዀነ፣ አውያትና ሰሚዑ ስለ ዝምልሽ አምላኽና ነመስግኖ። እግዚአብሄር አብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ነገር ይገብር አሎ። ስለቲ ዘደንቕ ስርሑ ነመስግን። ከምኡውን አብ ቅድሚ እቶም ሰብ ሃገር ዘሎናዮ ሞገስ ክህበና ንጸሊ። ንአፍሪቃን ካልኦት ክፍሊ ዓለማትን ሰላምን ቅዝፈታት ክድሕኑን ንጸሊ።

ሓምለ 3, 2020

“እግዚአብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ አብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። ነቶም ዚፈርህዎ ገለ አይጐድሎምን እዩ እሞ፣ አቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚአብሄር ፍርህዎ”። (መዝ.ዳ.34፦8-9) እግዚአብሄር ሰናይ ምዃኑ ነፍስና ጥዒማቶ እያ’ሞ ሰናዩ ነዘንቱ፣ አብ አጸዳትና ኸአ ነመስግኖ። ኹሉ እዋን ፍርሃት እግዚአብሄር ክህልወናን፣ ከም ዕለታዊ ናብራና ጌርና አብ ነንሕድሕድና ክንካባበርን ንጸሊ።

ሓምለ 4, 2020

ንእግዚአብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ አይጐድሎምን። “ኰራኵር አናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚአብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ አይጐድሎምን። ደቀየ፣ ፍርሃት እግዚአብሄር ክምህረኩምሲ፣ ንዑ ስምዑኒ”። (መዝ.ዳ.34፦10-11) ፍርሃት እግዚአብሄርሲ አብ አምላኽና ጸግዒ ምድላይ እዩ። ካብ እግዚአብሄር ጥራይ ጸግዒ ክንደሊ ንጸሊ። እግዚአብሄር ጓሳዪና ኢዩ፣ ዝጐድለና የሎን፣ ንእግዚአብሄር ዕለት ዕለት ብጸሎት ንድለዮ፣ አብ ጐይታ ስለ ዘሎና ከአ ባህ ኢሉና ነመስግኖ።

ሓምለ 5, 2020

ንሰላም ድለያ ስዐባውን: “ህይወት ዚፈቱ፣ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን አሎ? መልሓስካ ኻብ እከይ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣ ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከአ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን”። (መዝ.ዳ.34፦12-14) አፍና ዕቝባና ክኸውን ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ። እከይን ጥልመትን አብ ደቂ ጐይታ አንፈት ከይረኽብ ንጸሊ። መልሓስና ኻብ እከይ ከናፍርናውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ክንሕሉ ንጸሊ። ሰናይ ምግባርን፣ ሰላም ምድላይን ምስዓባን አብ ምእመናንን ክዓዝዝ ንጸሊ።

ሓምለ 6, 2020

“አዒንቲ እግዚአብሄር ናብ ጻድቃን፣ አእዛኑ ኸአ ናብ አውያቶም እየን። ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍእስ ገጽ እግዚአብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ”። (መዝ.ዳ.34፦15-16) ጸሎት ሰሚዑ ዝምልሽ፣ ንብዓት አዒንትና ዝደርዝ አምላኽ ስለ ዝረኸብና ነመስግን። አዒንቲ እግዚአብሄር አብ ኤርትራውያን ክጥምታ፣ አእዛኑ አውያትና ክሰምዓ ንጸሊ። ገጽ እግዚአብሄር ናብቶም ከጥፍኡና ዝለዓዓሉ እከዮም ናብኦም ክመልስ ንጸሊ።

ሓምለ 7, 2020

“ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚአብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚአብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘሎዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘሎዎም ድማ የድሕኖም”። (መዝ.ዳ.34፦17-18) እግዚአብሄር አውያትና ስለ ዝሰምዔ፣ ካብ መከራናውን ስለዘናገፈና ነመስግኖ። ነተን አብ ስደት ሃገራት ዝተተኽላ አብያተ ክርስቲያናት ጐይታ ክሕልወን ንጸሊ።

ሓምለ 8, 2020

ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚአብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን አዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ አይትስበርን”። (መዝ.ዳ.34፦19-20) መከራና እኳ እንተበዝሔ፣ እግዚአብሄር ካብ ኩሉ ከናግፈና ንጸሊ። ዋላ ብእምነትና ምኽንያት አብ ቤት ማእሰርቲ ንኹን፣ ወይ አብ ወጻኢ ንነበር’ሲ፣ ጐይታ ጥዕናና ክሕሉ፣ አዕጽምትና ክባልህን ክካናኸነናን ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ።

ሓምሌ 9, 2020

“ክፍአት ንረሲእ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸአ ኪዅነኑ እዮም”። (መዝ.ዳ.34፦21) እግዚአብሄር ነቶም ብኸንቱ ዝጸልኡና ናብኡ ክስሕቦምን ከድሕኖምን ንጸሊ። አብያተ ክርስቲያን ተዓጽየን ከም ዘለዋ አይንዝንግዕን ኢና። ዋላ እኳ ፍትሒ ምእዋጅ አብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶብ ጉዳይ ንስማዕ እምበር፣ ነተን ዕጹዋት አብያተ ክርስቲያናትን ብእምነቶም እሱራትን ብቐጻሊ ጸሎት ዘክሩወን። አብቲ ናይ መንግስቲ ሚኒስትሪታት ሐደ ጐይታ ዝተቐበለ ሚኒስተር የብልናን። አብቶም ሚኒስተራት ምድሓን አውጁ። ነተን አገልግሎት ሚኒስትሪ ዝሰርሑለን እናሰሜና ንጸሊ። ጽድቂ እግዚአብሄር አብ ኩሉ ውሳኔኦም ክንጸባረቕ ንጸሊ።

ሓምለ 10, 2020

እግዚአብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም አብኡ ዚዕቍቡ ኸአ ሓደ እኳ አይዅነንን እዩ”። (መዝ.ዳ.34፦22) ስለ’ቲ ቃል ተስፋ አምላኽ እግዚአብሄር ነመስግን። እግዚአብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ክብጀወን ንጸሊ። ባሮት ጐይታስ ጥበበኛታት ክዀኑ፣ አብ እግዚአብሄር ንርእሶምን ቤተሰቦምን ምምዕቋብ ክመሃሩ ንጸሊ።

ሓምለ 11, 2020

“ዎ እግዚአብሄር ነቶም ዚበአሱኒ ተብአሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግአዮም”። (መዝ.ዳ.35፦1) ነቶም ብኸንቱ ዝለዓዓሉና፣ ባእስን ጋእስን ዘምጽኡልና፣ ብኸንቱ ዚዋግኡና፣ ክፍአቶምን ባእሶምን ውግኦምን ጐይታ ናብአቶም ክመልሶ ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ። ብዙሓት ኤርትራውያን ንብረቶም ምስ ወኪላት አብ ኢትዮጵያ ገዲፎም ንኤርትራ ክኸዱ ዝተገደዱ ኩሎም ንብረቶም ክምለሰሎም ንጸሊ። ገለገሊኦን እቶም ወኪላት ንኻልኦት ከም ዝሸጡዎ ይንገር፣ ገሊኦም መሬቶም ብኻልኦት ኢትዮጵያውያን ተዘሚቶም ይበሃል ስለ ዘሎ፣ እግዚአብሄር ክዋጋአሎምን፣ ኩሉ ንብረቶም ክምለሰሎምን ንጸሊ።

ሓምለ 12, 2020

ዎ እግዚአብሄር ዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ ንምርዳኤይ ተንስእ። ኵናት አንበጥብጥ፣ መገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾ፣ ንነፍሰይ፣ ምድሓንኪ አነ እየ በላ”። (መዝ.ዳ.35፦2-3) እግዚአብሄር ዋልታናን ጸግዕናን ኰይኑ፣ ሰጐጕትና ሰጕጉ መገዶም ክዓጹ ንጸሊ። እግዚአብሄር ነቲ ጽኑዕ መሠረት ምድሐኑ ክእውጅ’ሞ፣ ንሕና ንሱ ንንነፍስና ዝብሎ ክንሰምዖ፣ “ምድሓንኪ አነ እየ” ክብል ንጸሊ። ጐይታ ነፍሳት ምእመናን አብ ቤት ማእሰርቲ ዀነ አብ ዘዘለናዮ ክሕሉ ንጸሊ።

ሓምለ 13, 2020

ዎ እግዚአብሄር “ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፣ ጥፍአተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። ከምቲ አብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝብቝ ይዅኑ፣ መልአኽ እግዚአብሄር ከአ የብርሮም”። (መዝ.ዳ. 35፦4-5) ሓሳብ እግዚአብሄር ህዝቡ ብህይወት ክነብር እምበር ክሞቱ አይኰነን። ነቶም ንነፍስና ዚደልዩስ፣ እግዚአብሄር ክተሃላልኾም ንጸሊ። ኵሎም ክንውሩን፣ ክሐፍሩን፣ ናድዮም ንድሕሪት ክምለሱን ንጸሊ። እግዚአብሄር ምስቶም ሐለውቲ መላእኽቱ አብ ዙሪያና ክሰፍር ንጸሊ። እግዚአብሄር ነቶም ዓለወኛታት ካብ ከባቢና ክሰጕግ ንጸሊ።

ሓምለ 14, 2020

ዎ እግዚአብሄር እቲ ጸላኢ ንጥፍአተይ “ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሓዞ፣ ንጥፍአቱ ናብአ ይውድቕ። “ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንድልህጾን ትኹን፣ መልአኽ እግዚአብሄር ድማ ይስጐጎም። ብድንገት ጥፍአት ይምጽአዮም፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሓዞ፣ ንጥፍአቱ ናብአ ይውድቕ”። (መዝ.ዳ.35፦6-8) እዚ መንፈሳዊ ውግእ እዩ። ብንስሐ ዝምለስ ልቢ እንተድአ አልዩዎም ናብ አምላኾም ይመለሱ። እንተ ዘይኰነ ግና፣ ነቶም ንነፍስና ዚደልዩ ዝዓግት ማዕቀብ ክገብረሎም ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ። መገዲ ዓለወኛታት ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልአኽ እግዚአብሄር ድማ ይስጐጎም። ብድንገት ጥፍአት ይምጽአዮም፣ እታ ዝሰወርዋ መፈንጠራኦም ትሓዞም፣ ንጥፍአቶም ናብአ ይውድቑ።

ሓምለ 15, 2020

ዎ እግዚአብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንአኻ ዚመስልከ መን አሎ? “ነፍሰይ ግና ብእግዚአብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ። አዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚአብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንአኻ ዚመስልከ መን አሎ፣ ኪብላ እየን”። (መዝ.ዳ.35፦9-10) ጐይታ ንስደትናን ማእሰርትናን መወዳእታ እንተ ዝገብረሉስ፣ አየ ኽንደይ ባህታን ሐጐስን ምርኤና። ነዘን ናይ ስደትን ማእሰርትን እዋናት ክሓጽራ፣ አምልኾ ነጻነት ክእወጀልና ንጸሊ። እዋን ባህታን ሐጐስን ርኢና፣ አዕጽምትና፣ ንአኻ ዚመስልከ መን አሎ እግዚአብሄር ክብላ ንጸሊ።

ሓምለ 16, 2020

ካብ ሓሰውቲ ምስክር አናግፈና፣ “ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፣ ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣ አብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዩኒ፣ ነፍሰይ ዘኽቲማ አላ”። (መዝ.ዳ.35፦11-12) ዎ አምላኽ ንስኻ ከሳስን ተኸስስን ኰንካ እንተ ዘይተማጕትካልና፣ ሓሰውቲ ምስክር ምስዝትንስኡና፣ ዘይፈለጥናዮ ነገር ይሐቱና፣ አብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዩና፣ ነፍሰና የዘኽትሙ አበይ ከነብል ካባኻ ሐሊፍና ጐይታ? አብ ከምዚ ዝአመሰለ ኵነታት ርድአና ኢልና ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ።

ሓምለ 17, 2020

እግዚአብሄር እምንቶኻ ኪኸውን እዩ። “እግዚአብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፣ አእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸአ ኪሕልወን እዩ እሞ፣ ካብቲ ናይ ድንገት ስምባድ፣ ካብቲ ንረሲአን ዚመጾም ጥፍአት አይትሸበር”። (ምሳሌ 3፦ 25-26) ነቶም አብ ጐይታ ዘለዉ ድንገት ስምባድ አይመጾምን’ዩ። ግና በዕንቶም ጥራይ ክጥምትዎ፣ ረሲአን ዚረኽብዎ መስጣውን ክርእይዎ እዮም። (መዝ.ዳ.91፦8) ንዅልና ምእመናን፣ እዚ ቓል’ዚ ጥበብ ክዀነልና፣ አብ ልብና ከነሕድሮ ንጸሊ። በቲ እንሰምዖን እንርእዮን ከይንውሰድ ንጸሊ።

ሓምለ 18, 2020

“ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ኰይኑስ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ አይትኽልአዮ። ዝወሃብ ከሎካ፣ ንብጻይካ፣ ኪድ እሞ ተመለስ፣ ጽባሕ ክህበካእየ፣ አይትበሎ”። (ምሳሌ 3፦ 27-28) ዕዳኹም ንምኽፋል ዝደንጐኹምሉ እንተድአ አልዩ፣ ወይ ከአ ገንዘብ ክትህቡ ኢልኩም ቃል አቲኹም’ሲ፣ ዘተስፈኹምዎ ሰብ ክሳዕ ዝሕለል ጊዜ ዝወሰድኩምሉ እንተ አልዩ፣ በዚ መዓልቲ’ዚ ጊዜ ወሲድኩም ቅኑዕ ንስሓ ንምቕራብ ተዳለዉ። ኢድኩም ክትገብሮ ዚከአላ ኸሎ ዝኸነብኩምሉ እንተሎ ህይወትኩም መርምሩ’ሞ ክትዝክሩ ፈትኑ። ዓሌት ሴም ዝዀንና ስእለት እንታይ ምዃኑ አዚና ንርድኦ ኢና። ወይ ንቤት እግዚአብሄር ወይ ንዝዀነ መንፈሳዊ አገልግሎት ሓገዝ፣ ወይ ንድኻታት፣ ስእለት ተሳኢልኩም ብምድንጓይ ዘይከፈልክምዎ እንተደአ አልዩ ሎሚ ቅኑዕ ንስሓ አቕሩቡ’ሞ ክፈልዎ ድማ።

ሓምለ 19, 2020

ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ አይትበአስ። “ንብጻይካ፣ አሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ አይትተናዀለሉ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ አይትበአስ”። (ምሳሌ 3፦ 29-30) እግዚአብሄር ካብ ሕሱማት ተታናዀልቲ ጐረባብቲ ክሕልወና ንጸሊ። ብዘይበደልዎም ሰብ ብዘይምኽንያት ስለ ዝበአሱዎም፣ ነቶም አብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ጐይታ ክሕልዎም ንጸሊ። ነዚ አገልግሎት እዚ ጸልዩልና። ካብቶም ብኸንቱ ዝጻብኡና ጐይታ ክሕልወና፣ ብዘድልየና ዅሉ ክባርኸና፣ ገንዘብን፣ ምስ እዚ አገልግሎት’ዚ ዝዓዩ ሰባትን ክህበና ጸልዩለና።

ሓምለ 20, 2020

ምስጢር እግዚአብሄር ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ:: “ብገፋዒ ሰብ አይትቕናእ፣ መገዱ ዘበለ ዅሉ አይትምረጽ። እግዚአብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ፣ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ”። (ምሳሌ 3፦ 31-32) ናይ ልብና ዝካፈል ቀረባ ዓርክና ጐይታ የሱስ ስለ ዘሎና ነመስግን። እግዚአብሄር ነቲ ገፋዒ ሰብን መገዱን ካባና ከርሕቕ ንጸሊ። እግዚአብሄር ነቶም ቔናናትን ፍንፉን ልማዶምን ካባና ንምርሓቕ ከኽእለና ንጸሊ። ከም ቅኑዓት ህዝቢ አምላኽ ተኻፈልቲ ምስጢር እግዚአብሄር ኰንና ክንርከብ ንጸሊ።

ሓምለ 21, 2020

እግዚአብሄር ንማሕደር ጻድቃን ይባርኾ። “መርገም እግዚአብሄር አብ ቤት ረሲእ እዩ፣ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፣ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፣ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ”። (ምሳሌ 3፦ 33-35) ከም ህዝቢ አምላኽ ማሕደርና ክባረኽ፣ ከም ትሑታት ከአ ጸጋ ክበዝሓልና፣ ከም ጠቢባን ከአ ክብሪ ክንወርስ ናብ እግዚአብሄር ንጸሊ። እግዚአብሄር መርገምን ላግጽን ውርደትን ካባናን ካብ ቤተሰብናን ካብ ሸኻ አገልግሎትናን ከርሕቕ ንጸሊ። እቶም ብኸንቱ ዝጸልኡና ዝፋልዉዎ ክፉእ ፋል አብአቶም ክመልሶ ጐይታ ንጸሊ።

ሐምለ 22, 2020

ሰናይ ዘበለ ምፍላጥ፣ ቅንዕና ምግባር፣ ምሕረት ምፍታው፣ ምስ አምላኽካውን ብትሕትና ምምልላስ ውጺኢት አለዎ። “አታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ አፍለጠካ፣ እግዚአብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከአ ክትፈቱ፣ ምስ አምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ፣ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ?” (ሚኪያስ 6. 8) እግዚአብሄር ሰናይ ዘበለ ንኤርትራ ከፍልጥ ንጸሊ። እግዚአብሄርሲ ኤርትራ ቅንዕና ኽትገብር ምሕረት ከአ ክትፈቱ ምስ አምላኻውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተዘይኰይኑስ ካብአ ዚደልዮ እንታይ እዩ? ነቶም ናይ መሰል ሰባት ሓለውቲ መልሲ አጣሚሞም ብዋጋ ኤርትራን ብህዝቢ ኤርትራን፣ ንረብሓ ፖለቲካ ብምግባሮም፣ አብ አመሪካን፣ ሕቡራት መንግስታትን፣ አብ ኢትዮጵያን ዝገበርዎ ምሕረት ግበሩ። ብምሕረት ምግባር ዝመጽእ በረኸት ተኻፈልቲ ኰይንና ክንርከብ ንጸሊ። አብ ኢትዮጵያ ነቲ ቀያዲ ሕጊ ንኸይፍጸም ክብሉ ሰላማዊ ሰልፍታት ዘካየዱ ምሕረት አውጁሎም።

ሐምለ 23, 2020

ሰላም ደቅኽውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚአብሄር ክመሃሩ እዮም ሰላም ደቅኽውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን’ሞ ካብ ግፍዒ ርሐቒ”። (ት.ኢሳ.54፣ 13-14; 8: 10) እግዚአብሄር አምላኽና ንኤርትራን ህዝባን ቤት አምላኽን ክጻረሩ ብኽፍአት ዝተአኻኸቡ ብፍላጻኡ ክብተኑን ቋንቋኦም ክፈላለን፣ ዕላማኦም ፋሕ ከተብሎን ንጸሊ። ሰላም ደቅናውን ዓብዪ ኪኸውን ብህድአት ክንነብር ንጽሊ።

ሐምለ 24, 2020

ንአኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ አጽዋር ኵሉ አይኪጠቅምን እዩ፣ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስአኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። “እንሆ፣ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዜጕህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸአ ዚገብር አንጠረኛ አነ እየ ዝፈጠርክዎ። አነውን እየ ነቲ መጥፍኢ፣ ኬብርስ ኢለ፣ ዝፈጠርክዎ። ንአኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ አጽዋር ኵሉ አይኪጠቅምን እዩ፣ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስአኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚአብሄር፣ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፣ ይብል እግዚአብሄር።” (ት.ኢሳ.54፥ 16-17) እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚአብሄር ጽድቆምውን ካባይ እዩ ኢሉ ዘተስፉ እግዚአብሄር እዩ። ንኤርትራ ዀነ ንህዝባ፣ ንምእመናን ኰነ ንአካል ክርስቶስ ብመላኣ ክወግኡሉ እተሰርሔ አጽዋር ኵሉ እግዚአብሄር አምላኽና ከም ዘይጠቅም ክገብሮ ንጸሊ። ነተን ንፍርዲ ዝትንስአ ኹለን ልሳናት ድማ ኤርትራን ህዝባን ምእመናንን ክንረትዔን ንጸሊ።

ሐምለ 25, 2020

ነቲ ዝጸበቐ ኸአ ብልዑ፣ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ። “አቱም ጽሙአት ኵላትኩም ናብ ማያት ንዑ አቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከአ ንዑ ተሻየጡ’ሞ ብልዑ። እወ ንዑ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ። ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፣ ጻማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተጥፉኡሉስ ስለምንታይ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፣ ነቲ ዝጸበቐ ኸአ ብልዑ፣ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ። (ት.ኢሳ.55፥ 1-2) እግዚአብሄር አምላኽና ነቲ ተሪር ክሳድን ህልኸኛ ልብን ዘለዎ ህዝቢ አብቲ ዓብዪ ፍልጠት ጐይታ ክመጽእን ምድሓን ክእወጀሉን ንጸሊ። እግዚአብሄር አምላኽና ንኹሉና ኤርትራዊያን ተጠንቂቕና እንሰምዓሉ ኣእዛን ክህበና ነቲ ዝጸበቐ ክንበልዕን ነፍስና ብጣዕሚ ባህ ክብላን ንጸሊ።

ሐምለ 26, 2020

ኩሉ ዕላማ ቃል ተስፋ አምላኽ ናብ ሰላም ጥራይ’ዩ ዘተኵር። “አነ ምሳታተን ኪዳን ሰላም ክአቱ ንኽፉአት አራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። ንሳተን ከአ አብ በረኻ ሀዲኤን ኪነብራ አብ ዱርውን ኪድቅሳ እየን”። (ህዝቅ.34. 25). ዓመጽ ንህዝብና ሓደገኛ ኰይኑ ስለ ዝርከብ፣ እግዚአብሄር መወዳእታ ክገብረሉ ንጸሊ። ዓመጽ አብ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ወተሃደራታ ካብ ባድመን፣ካብ ዛላምበሳን ካብ ጾሮና ዀነ ካብ ዓሊ ሙሳ ጎቦታት ምውዳባ ቀልጢፉ ክውዳእ ጸሊና ስለ ዝተመለሰልና ነመስግን። ኢትዮጵያ ወተሃደራታ ተውጽእ እምበር መሬትና አብ ኢድና አይብጽሔን። ስለዚ ዶብና አብ ቦቱኡ ክምለስን መሬትና አብ ኢድና ክአቱን ንጸሊ። ዓመጽ አብ ልዕሊ አብያተ ክርስቲያናት ኤርትራ ክውዳእ ንጸሊ። ሃዋሪያዊ ትምህርቲ ክልቀቕ፣ አካል ክርስቶስ ብሰላም ክዓይያ ንጸሊ። ነቲ ዶብና አብ ቦቱኡ ምምለስ ንኸይትግበር ዝዀነ ይኹን ሰላማዊ ሰልፍ ዝግበር እግዚአብሄር ደው ከብሎ ንጸሊ።

ሐምለ 27, 2020

በረኸት እግዚአብሄር ከም ህይወት ወሃቢ ዝናም ይምሰል። “አነ ኸአ ንእኤንን ነቲ አብ ዙሪያ ዅርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ። ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፣ ዝናም በረኸትውን ኪኸውን እዩ”። (ህዝቅ.34፥ 26).  እግዚአብሄር ዝናም በረኸቱ አብ ልዕሊ ኤርትራ አጸቢቑ ክኽዕወልና ንጸሊ። ብመንፈሳዊ በረኸት፣ ብኢኮኖሚ በረኸት– በብዘመኑ ዝአክል ዝናም በረኸት – ንምዝራእን ምሕፋስን ዘኽእለና፣ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ንግዲ ዋጉኡ ብዘይከብር ምክያድ ክንክእል፣ ብፖለቲካ በረኸት፣ እግዚአብሄር ዝፈልጡን ንእኡ ዝፈርሑን መራሕቲ ክህበና፣ ሕብረተ-ሰብአዊ በረኸት ከም ፍቓድ አምላኽ ክእውጀልና ንጸሊ።

ሐምለ 28, 2020

እግዚአብሄር ሰንሰለት አርዑት ክፉአት ይሰብር። “ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፣ ምድሪውን ብቝላ ኽትህብ እያ፣ አብ ሃገሮም ከአ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም። አነ ሰንሰለት አርዑቶም ምስ ሰበርኩ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከአ ምስ አናገፍኽዎም ሽዑ አነ እግዚአብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ኤረ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም ዜፍርሆምውን የልቦን። (ህዝቅ.34፥ 27) ምስቲ ሕጂ ተስፋ ዘሎና አብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ እግዚአብሄር ነቲ አርዑት ባርነት ብማእቶት መልክዕ ህዝብና ቆሪኑዎ ዘጸንሔ ክሰብሮ ስለ ዝዀነ ብምስጋና ንጸሊ። ብሕጂ ንኒየው ማእቶት ካብ 2 ዓመት ንላዕሊ አይኰነን ኢለ እአምን። ነቶም ብድሕሪ መቝሕ ማእሰርቲ ዘሎዉ ብጸሎት ዘክሩዎም፣ ጐይታ ክሕልዎምን ክፍትሑን ንጸሊ። ንቤተሰብ ናይ እምነት ጀጋኑ ህይወቶም ዘሕለፉ፣ ምጽንናዕ አውጁ፣ ስሞም እንተ ፈልጥኩሙዎም ዝሓሸ።

ሐምለ 29, 2020

ድሕሪ ደጊም ድማ ጸርፊ ህዝብታት አይኪጾሩን። “ድሕሪዚ ዘመተ ህዝብታት አይኰኑን እዮም፣ አራዊት ምድሪ ኸአ አይኪበልዕዎምን እዮም። ኤረ ሃዲኦም ኪነብሩ እዮም፣ ዜፍርሆምውን የሎቦን። ንናእዳ ዚዀኖም ተኽሊ ኸተንስአሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸአ አብታ ሀገር ብጥሜት አይኪጠፍኡን፣ ድሕሪ ደጊም ድማ ጸርፊ ህዝብታት አይኪጾሩን እዮም”። (ህዝቅ.34፥ 28-29) እዚ ቐንዲ ቓል ተስፋ እዚ አብ ሃገርና ኤርትራ ክፍጸም ክንርእዮ ንጸሊ። እግዚአብሄር ከም ቃል ተስፉኡ ዝአክልን ዝተርፍን በብዓይነቱ እኽሊን ምህርትን ክህበና ንጸሊ። ውግእ ተቓወሙ፣ ስደትን ማእሰርትን ጥሜትን ክርሕቕ ጸልዩ። ጸርፊ ህዝብታት አይንጾውርን ኢልና ንጸሊ።

ሐምለ 30, 2020

ህዝቢ ኤርትራ መጓሰ እግዚአብሄር አምላኽ እዩ። “አነ እግዚአብሄር አምላኾምሲ ምሳታቶም ከም ዝዀንኩ እቶም ቤት እስራኤልውን (ኤርትራውን) ህዝበይ ከም ዝዀኑ ኺፈልጡ እዮም ይብል እግዚአብሄር አምላኽ። አቱም አባጊዔይ አባጊዕ መውፈረይ ንስኻትኩም ሰብ/ህዝበይ ኢኹም፣ አነ ኸአ አምላኽኩም እየ ይብል እግዚአብሄር አምላኽ። (ህዝቅ. 34. 30-31) ኤርትራውያን አምላኾም ክፈልጡን እግዚአብሄር ድማ ምስ ኤርትራን ምስ አካል ክርስቶስን ክኸውን ንጸሊ። ህዝቢ ኤርትራ አካል መጓሴ አምላኽ ክዀኑ፣ ክፈልጡዎን ንኻልኦት ክፋልጥዎን ንጸሊ።

ሐምለ 31, 2020

ንእስራኤል ንጸሊ። “እነሆ ንዳዊት ጻድቕ ጨንፈር ዘተንስአለን መዓልትታት ይመጻ አለዋ። ንሱ ነጊሱ ኺገዝእ ኪቐንዖ ድማ እዩ ይብል እግዚአብሄር”። (ኤር.23. 5-6). እግዚአብሄር እቲ ጻድቕ ዝኾነ መሲሕ አብ ምድሪ እስራኤልን ኤርትራን ከንግስ ንጸሊ። ንሱ ፍትሕን ቅኑዕ ፍርድን ዘምጽእ ኰይኑ ክንግስ ንጸሊ። አይሁዳውያን ብብሉይ ኪዳን ሕጊ ስለ ዝአምኑ፣ እግዚአብሄር ንመምለኽቲ በዓል (መላእኽትን ሰባትን ንዘምልኹ) ብሐጢአቶም ክረትዖም ንጸሊ። ነቲ ኵሉ ዝፈጠረ ሓቀኛ አምላኽ ክዝክሩን ክቕበልዎን ንጸሊ። ንሱ ኸአ የሱስ ክርስቶስ እዩ።

መምርሒ ጸሎት ብዛዕባ ኤርትራ ብቛዋሚን ቀጻልን ንእትጽሉዩ ንኹሉኹም ቃል በረኸት አዋጅ፣

እግዚአብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ/ኪ ስም አምላኽ ያእቆም ልዕል የብልካ/ኪ፣ ካብ መቕደሱ ረዲኤት ይስደደልካ/ኪ ካብ ጽዮን ከአ ይደግፍካ/ኪ። ንመስዋእትኻ/ኺ… ይዘክሮ/ይቀበሎ። ነቲ ልብኻ/ኺ ዝምነዮ ይሃብካ/ኪ ንምኽርኻ/ኺ ዘበለውን ይፈጽሞ። ብምንጋፍካ/ኪ እልል ንበል። ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም አምላኽና ነልዕሎ። ንኹሉ ልማኖኻ/ኺ እግዚአብሄር ይፈጽሞ። (መዝ.ዳ.20. 1-9).

መተሓሳሰቢ.

  • አብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ምጻምን ምጽላይን
  • ዝኾነ ይኹን እትፈልጥዎ ዜና ክንጽልየሉ ዝግባእ ብኢመይል ምስዳድ
  • ኩሉጊዜ አብ ክንዲ ቤተሰብን ሕብረተሰብን አብያተ-ክርስቲያናትን ሃገር ኤርትራን ቅኑዕ ንስሓ ምቕራብ
  • ኩሉጌዜ ካልአይቲ ቀዳም ብጾምን ጸሎትን ብዛዕባ ኤርትራ ጥራይ ምጽላይ እዩ።
  • ጐይታ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዛረቦ ብኢመይል ምስዳድ

E-mail: home2008.home@gmail.com

About eriprayer

It is a Christian Ministry that reaches out to people with the light of the gospel,near and far through person to person, e-mail and website.
This entry was posted in Uncategorized. Bookmark the permalink.

Leave a comment