HOME EVANGELISM AND PRAYER GUIDE FOR ERITREA, TIGRIGNA, APRIL, 2021

መምርሒ ጸሎት ኤርትራ, ወርሒ ሚያዝያ, 2021

“…. those who are led by the Spirit of God are sons of God.” Rom.8: 14

HOME EVANGELISM AND PRAYER MINISTRIES

FOR FOREIGNERS IN KENYA, AND BEYOND

ብስም ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ሰላም እብለኩም። ንነፍሲ ወከፍ ዜናን ጸሎትን፣ ሓገዝን ዘበርከትኩምዎ ኩሉ አዚየ ኤመስግን። ደጋጊመ ብዛዕባ ትግሪኛ ርእቶኹም ብጣዕሚ ኤመስግን ተባርኹ። ጾር ሃገርና ኤርትራ ብዝዛየደን ቀጻልን አገዳስን ዝኾነ በዚ መምርሒ ጸሎትና ከካፍለኩም እደሊ። “ብርሃንኪ መጺኡ፣ ክብሪ እግዚአብሄር ከአ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፣ ተንስኢ ብርሂ። እንሆ፣ ጸልማት ንምድሪ ጣቕስ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም ግናኸ እግዚአብሄር አብ ልዕሌኺ ኺወጽእ ክብሩውን አብ ልዕሌኺ ኺድራኤ እዩ።” (ኢሳ. 60፦ 1-2)ጐይታ የሱስ ይመጽእ አሎ፣ ምህናጽ ሃገርናን አካል ክርስቶስን ብዝያዳ አዝዩ ይቐርብ አሎ። ንቤተሰብን፣ ሕብረተሰብን፣ አካል ክርስቶስን፣ ንብምልእታ ሃገርን ጸልዩ። ናይ ኮሙኒዝም መንፈስ አብ ሃገርና ይገዝእ ስለ ዘሎ ኤርትራ ዓቢዪ ጸሎት የድልያ እዩ። ስለ ናይ እምነት ጀጋኑ ቤተሰብ ጸልዩ፣ ነጻነት አምልኾ አውጁ።

  ነቶም አብ ስደት ዘለዉ (ከም አብ ማእከል ጐልጐል ንቑጻት ዓጻጽምቲ ዘለዉ) ብጸሎት፣ መንፈስ ቅዱስ ህይወቶም ከጽርዮን መርገም ገድሊ ካብ ህይወቶም ክሰብርን ጸልዩ። ካብ ብኰሎኒ ገዛእቲ ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ኤርትራ ብብዙሕ መከራ ምስ ህዝባ ትሓልፍ አላ። ወርቅናን ነሓስናን አስራዚናን ናይ ተሌፎን ኬብልናን(ቀደም ንኬንያ ብጸላእቲ ዝተሸጠ)፣ ብኾሬንቲ ዝዓዪ ዝነበረ ብህዋህው አቝሑ ዘማላልስ ዝነበረን፣ ካልእውን ክንዝርዝሮ ዘይከአል ሃብቲ ኤርትራ ተወሲዱዋ’ዩ፣ ጐይታ ክኽሕሳ ጸልዩ። (Please get information on the internet and go to UN/US Sanctions on Eritrea Latest Chapter in a Long History of Injustice) አብ ኤርትራ ፍርሃት እግዚአብሄር ዘሎዎም ሰባት ክህበናን ሃገርና ብኩሉ ዘድልያ ክትህነጽን ጸልዩ። ጸሐይን ንፋስን ዝናብን በብእዋኑ ክህበና ጸልዩ። በረድን ሽሾን ድርቅን ዘይኰነስ እኹል ዝናብ ንምዝራእን ብዙሕ ምህርቲ ንምሕፋስን ዘኽእል አብ ውሽጢ ወሰናታ ክህበና ንምሻጥ ዘኽእል ክኸውን ጸልዩ። አዚኹም ውግእ ተቓወሙ፣ ሰላም አውጁ።  ምሕንጻጽ ወሰን ምድሪ አብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወርሒ ሕዳር 2007 ዓ. ም. ጐይታ ስለ ዝወድኦ ነመስግን።  በቲ ፕረዚደትና ዝብሎ  አብቲ ESAT ቃለ መጠይቕ ክገብሩ ከለዉ ብለካቲት 2015, እቲ ናይ ቀደም ሕንጻጽ ከምዘለዎ ስለ ዘሎ ካልእ ሕንጻጽ ከም ዘይግበር፣ ከምዘለዎ ከምዝቐውም እዩ። ሓድሽ ሕንጻጽ ዝግበር የለን። ሓድሽ ዜና ግና ብ5 ሰነ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር አቢይ አሕመድ እቲ ቀያዲ ሕጊ ብዘይ ቅድመ ዅነት ከም ዝቕበሎን፣ ኤርትራ ድማ ብ20 ሰነ 2018 መልሲ ከም ዝሃበትሉ ንሰላም ዝርርብ ሰባት ንአዲስ አበባ ከም እትልእኽ ፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ ስለ ዝተዛረበ፣ ብሰላም ከም ዝፍጸም ኰይኑ አብ ስምምዕ ቀሪቦምን ወዲኦምን አሎዉ።  ኤርትራ ግድን እትደልዮ ዝነበረት ኢትዮጵያ ጓዓዛ ጠቕሊላ ምስ ወተሃደራታ ክትወጽእ ዝበለቶ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወተሃደራተን አልጊሰን አለዋ ። ካብ ኤርትራ ዝተወስደ ሃብቲ ክምለስ፣ ዝግባአ ካሕሳ ሒዙ ክመጽእ ብገዛእቲ ጊዜ ዝተወስደ ዀነ ብኢትዮጵያ ዝጠፍኤ ኩሉ ክምለሰላ ንጸሊ 17 ነሐሰ 2009 ብዝተበየኖም ፍርዲ ኤርትራ 10 ሚልዮን ናይ አሜሪካ ገንዘብ ንኢትዮጵያ ክትከፍልያ። አይትዘንግዑ፣ ብ2013ን ዓ. ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ወከልቲ ምስ ናይ ኤርትራ መዝነት መራሕቲ፣ብዛዕባ እተን ሃገራት ንባሕሪ ምእታው ግደ ዘይብለን፣ አብ ኦስትሪያ አኼባ ገይሮም ነይሮም። ክልቲኤን ብምስምማዕ ንባሕሪ ምምልላስ ኰነ ብመግድን ብባቡርን ንኽልቲኤን ብስምምዕ ከፊተን አለዋ። ኢትዮጵያ ነቲ ቀያዲ ሕጊ አብ አልጀርስ ምስ ኤርትራ ዝተፈራረምዎ አብ ግብሪ ንምውዓል ተሳማሚዓ አላ።ነቶም ኤርትራውያን ናይ ባንክ ወለድ ገንዘቦም ዝተዓገቶም፣ ንብረቶም ምስ ካልኦት ዝገደፉ ከመይ ጌሮም ከም ዝረኽብዎ አይፈልጡን’ዮም። ገለ ገሊኦም ንብረቶም ብግለ ሰባት ተወሲዱዎም አሎ። ስለዚ ብጸሎት ዘክሩዎም።  ብኹሉ ንስሓ አቕርቡ ንኤርትራ ብዙሕ ምሕረት ጐይታ አውጁ። ብዘይ ቅድመ ዅነት አብያተ ክርስቲያናት ክኽፈታን ናይ እምነት እሱራት ክፍትሑን ንጸሊ። መወዳእታ ናይ ኤርትራውያን ንብረት ምምላስ ብወርሒ መስከረም/ጥቅምቲ ይውዳእ ተባሂሉ ይውረ ነይሩ።

እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚአብሄር ንሱ አምላኽ እዩ፣ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር ጥራያ ክትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፣ አነ እግዚአብሄር እየ ብጀካይውን ካልእ የልቦን። (ኢሳ.5. 18). ስለዚ ብዛዕባ ኤርትራ ምስጋና አቕርቡ። ጐይታ እግዚአብሄር ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራውያን ክትውረስ ስለ ዝደኰናን ዝፈጠራን፣ ፈጺማ ከም ዘይትባድም ጌሩ እግዚአብሄር ምሕረቱ አባና ስለ ዘዕዘዘ፣ ንአና ከአ ወሰናትና ስለ ዝቐደሰ ነመስግኖ። (ግ.ሃዋ.17. 26-28).

ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ/ ከትንብቦ/ ንሓትት።

ዝኸበርኩም ናይ ጸሎት ብጾት እታ እንጽበያ ዝነበርና መጽሓፍ “SINGLES AND PASTORAL CARE” ዝአርእስታ ተሓቲማ አላ። ስለዚ መገብትን ሓዳር ዘይመስረቱን ገዚኦም ይጠቐሙላ። እዛ መጽሓፍ እዚአ ብዙሕ ርእዮታት ከተምጽእ ትኽእል እያ። ብፍላይ እኳ በቶም መንእሰያት ገና ምልላይን ናብራ ንምምስራትን ብዝደልዩ ብዙሕ ከተኩሩላ ዘሎዎም መጽሓፍ እያ። ስለዚ ብኢመይል ኰነ ብብሎግና ወይ ከአ ብስልኪ ጸዊዕኩም ሕተቱ አበይ ከም እትረኽብዎ ክንሕብረኩም ተበረኹ። “eriprayer.wordpress.com and our email pstkidisti@yahoo.com or home2008.home@gmail.com” እዚ አበይ ከምትረኽብዎ ሓበሬታ ንምርካብ ይሕግዝ። Mobile +254789034869 or +254722986251

ሚያዝያ 1, 2021

1 “አነ እግዚአብሄር አምላኽኩም እየ እሞ ንኣኻትኩም ጣኦታት አይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ አይተቑሙ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም አብ ምድርኹም አይትግበሩ። 2ሰናብተይ ሓልዉ መቕደሰይውን ፍርሁ። አነ እግዚአብሄር እየ።” (ዘሌ.26፦1-2) ህዝቢ ኤርትራ በብግሊ ህይወቱ አምላኹ ክፈልጥ’ሞ ንእኡ ጥራይ ከምልኽ ንጸሊ። ንእተወቕረ ምስሊ አምልኾ፣ ንዝቖመ ሓወልቲ፣ ንእተሳእለ እምኒ ዝሰግዱሉ ኩሉ ካብ ህዝብናን ካብ ምድርናን ክንቀል ንጸሊ።

ሚያዝያ 2, 2021

አነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩም 3 “ብሕጋጋተይ እንተ ኸድኩም ትእዛዛተይ ከአ እንተ ሓሎኹም እንተ ገበርኩምዎ ኸአ 4አነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩም ምድሪ ድማ እኽላ ክትህብ እያ አእዋም መሮር ከአ ፍሬኤን ይህባ”። (ዘሌ.26፦3-4) ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ፍርሃት እግዚአብሄር ክህልዎ’ሞ ንአምላኹ ክእዘዝ፣ ብምእዛዙውን በረኸቱ ክእውጅ ንጸሊ። እግዚአብሄር ዝናም በብጊዜኡ ክህበና፣ አብ ውሽጢ እታ ሃገር ክንዘርእን ብዙሕ ምህርቲ እኽልን፣ ፍረ አእዋምን ክንሓፍስ ንጸሊ።

ሚያዝያ 3, 2021

አብ ምድርኹም ከአ ሀዲእኩም ትቕመጡ 5 “መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይበጽሕ ምቕንጣብ ወይኒ ኸአ ክስዕ ዘርኢ ይበጽሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፣ አብ ምድርኹም ከአ ሀዲእኩም ትቕመጡ”። (ዘሌ.26፦5) ብምእዛዝ ዝመጽእ በረኸት ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጥ’ሞ ናብ አምላኹ ብንስሓ ክቐርብ ንጸሊ። ከም ቃሉ መዀዳና ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይብጻሕ። ምቕንጣብ ወይኒና ኸአ ክስዕ ዘርኢ ይብጻሕ። አብ ምድርና ከአ ሀዲእና ክንቕመጥ፣ እንጌራና በሊዕና ክንጸገብ፣ ናይ ምእዛዝና በረኸት ክእወጀልና ንጸሊ።

ሚያዝያ 4, 2021

ሕሱማት አራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፣ 6 “አብ ምድርኹም ድማ ሰላም ክህብ እየ፣ ንስኻትም ከአ በጥ ትብሉ ዜፍርሀኩምውን የልቦን። ሕሱማት አራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፣ ሴፍ ድማ ብሃገርኩም አይሓልፍን”። (ዘሌ.26፦6) ዓመት ዓመት እቶም ናይ ተዋህዶ ካህናት ብጾም ኣርባዓ ጊዜ ነቶም ወንጌላውያን አብያተ ክርስቲያን ምእመናን ይሃድንዎም አለዉ። በዚ ምኽንያት’ዚ ብዙሓት ሃገሮም ገዲፎም ንድሕነቶም ኢሎም ይሃድሙ አሎዉ። እግዚአብሄር ንእኡ ብምእዛዝና አብ ምድርና ሰላም ክህብ፣ ብዘይፍርሃት በጥ ክንብል ክንክእል ንጸሊ። ሕሱማት አራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ ንጸሊ። ሴፍ ድማ ብሃገርና ፈጺሙ ከይሓልፍ ንጸሊ። እዚ አብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብልን ሰላም ክእወጅን ንጸሊ።

ሚያዝያ 5, 2021

ሕሱማት አራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፣ 7“ጸላኢኹም ትሰጉ ንሳቶም ብሴፍ አብ ቅድሜኹም ይወድቁ”። (ዘሌ.26፦7) ጥፍአት አብ ምድሪ ኤርትራን አብ ህዝባን፣ አብ አብያተ ክርስቲያናትን ዝእውጅ አምላኽና ከርሕቕ ንጸሊ። እግዚአብሄር ክፈልጡን ናብ ክርስቶስ ክእሰሩን ንጸሊ።

ሚያዝያ 6, 2021

ሕሱማት አራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፣ 8 “ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ ይሰጕዎም፣ ሚእቲ ኻባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ ይሰጕዎም ጸላእትኹም ብሴፍ አብ ቅድሜኹም ይወድቁ”። (ዘሌ.26፦8) እዚ በቲ መንፈሳዊ ውግእ ንርአዮ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን አብ ሰማያት እዩ እምበር ምስ ስጋን ደምን አይኰነን እሞ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ ኵሉ አጽዋር አምላኽ ልበሱ። (ኤፌ.6። 12) እግዚአብሄር በቲ መንፈሳዊ አጽዋር ውግእ ከዕጥቐና ንጸሊ። ካብ ሰሜን ካብ ደቡብ፣ ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ማእከል ሃገርን፣ አብ ህዋህው ዝዋሳወሱ መናፍቲ እከይን ክሰጉግ ንጸሊ።

ሚያዝያ 7, 2021

ኪዳነይ ከአ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ 9 “አነ ገጸይ ናባኻትኩም እመልስ እሞ ከፍርየኩምን ከብዛሓኩምን እየ፣ ኪዳነይ ከአ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ”። (ዘሌ.26፦9) እዚ ጊዜያዊ ጸላም ደመና ዘንጀርብብ ዘሎ አብ ኤርትራ አይትርአዩ። እንታይ ደአ ነቲ ዘፋናቕል ዘሎ መንፈስ ካብ ምድሪ ኤርትራ ክንቀል ጸልዩ። እግዚአብሄር ዝሰአኖ የለን። ንሱ ገጹ ናባና ክመልስ እሞ ከፍርየናን ከብዛሓናን፣ ኪዳኑ ምሳና ከቕውም ንጸሊ። ነቶም አብ ኢትዮጵያ ናይ ስደተኛታት ካምፕ ዘለዉ ኤርትራውያን ጸልዩ። እቶም ምሊሽያ ደቀ አንስትዮ ይዕምጹ ስለ ዘለዉ ኩሎም ኤርትራውያን ካብኡ ክወጹ ንጸሊ።

ሚያዝያ 8, 2021

አብ ደገ ብሓጻዊን ዝስራሕ ቆፎታት የድሊ፣ 10 “ነዊሕ እተዐቝረ ነባር እኽሊ ድማ ትበልዑ፣ ስለቲ ሓድሽ ከአ ነቲ ዕቝር ትጕሕፍዎ”። (ዘሌ.26፦10) ብምእዛዝ ዝመጽእ በረኸት ንፍለጦ። እግዚአብሄር አብ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኤርትራ በረኸቱ ከንጀርብቦ ንጸሊ። ቆፎታት ምእኻል ዝሰአነሉ፣ አብ ደገ ብሓጻዊን ዝስራሕ ቆፎታት፣ ብመፍትሕ ዝዕጾ፣ ከድየልካ ትትውሽሖ ክህበና ንጸሊ። አኺሉ ዝተርፍ ምህርቲ ክንሓፍስ’ሞ እቲ ዝተረፈ ምእንቲ’ቲ ሓድሽ እኽሊ ንጐረቤት ሃገራት ክሸጦ ንጸሊ።

ሚያዝያ 9, 2021

ህይወትና መሕደሪ መንፈስ አምላኽ ይኹን፣ 11 “ማሕደረይ ድማ አብ ማእከልኩም ክገብር እየ፣ ነፍሰይ ከአ አይትፍንፍነኩምን”። (ዘሌ.26፦11) ጽፉፍ ህይወት ብጐይታ ክንነብር ንጸሊ። ህይወትና መሕደሪ መንፈስ አምላኽ ክኸውን ንጸሊ። ዝጽየፎ ነገር ካባናን ካብ ህዝብናን ከርሕቕ ንጸሊ። መንእሰያትና ምስ ወጻእተኛታት ንዝሙት ከይቃልዑ ንጸሊ።

ሚያዝያ 10, 2021

ህይወትና መሕደሪ መንፈስ አምላኽ ይኹን፣ 12 “አብ ማእከልኩም ድማ እኸይድ አምላኽኩምውን እኸውን ንስኻትኩም ከአ ህዝበይ ትዀኑኒ”:: (ዘሌ.26፦12) እዚ ቓል’ዚ ዝፍጸም አብቲ ፍጹም ዝኾነ ህዝቢ አምላኽ ጥራይ’ዩ። ንሕና ከም መጠን ህዝቢ አምላኽ ናይቲ ልዑል ምዃንና፣ አዚና ንእግዚአብሄር ባህ እነብልን ከም ፍቓዱ እንነብርን ክንከውን ንጸሊ።

ሚያዝያ 11, 2021

እግዚአብሄር ቍራብዓት አርዑትኩም ድማ ሰበርኩ ይብለና፣ 13 “መታን ባሮቶም ከይትዀኑ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም አነ እግዚአብሄር አምላኽኩም እየ፣ ቍራብዓት አርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፣ ርእስኹም አልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገበርኩኹም”። (ዘሌ.26፦13) እግዚአብሄር ዝገበረልና ነጻነት ንጸብጽብ’ሞ ነመስግኖ። ብስሙ ስለ ዝጸወዓና፣ ምድሓን ስለዝአወጀልና፣ ስሙ ጸዊዕና ስለ ዝሰምዓና፣ ካብ ሓጢአት ባርነት ሓራ ስለ ዘውጸአና ነመስግኖ።

ሚያዝያ 12, 2021

ብስደትና ንጐይታ ከም እንመስሎ አይንዘጋዕ፣ 31 “ሽዑ የሱስ ንጓሳ እወቕዖ እተን አባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ ተጽሒፉ አሎ እሞ በዛ ለይቲ እዚአ ዅላትኩም ብአይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 32ምስ ተንሳእኩ ግና ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ በሎም”። (ማቴ.26፦ 31-32) ህይወትና ንመርምር፣ ምስ ዝጥዕመና ጥራይ ክርስቲያናት አይንበሃል። ብጊዜ ስደት’ዩ አውራ መደብናን ብጽሒትናን ንኻልኦት ብግሉህ ዝርኤ። ነዘን ዕጹዋት አብያተ ክርስቲያናት ብጸሎት ናብ ጐይታ ነቕርበን። ነቶም መራሕቲ አብያተ ክርስቲያናት ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ ጸሊና። ብዙሓት ብኮሮና ቫይረስ ኩ`ነታት ምኽንያት ብዋሕስ ተፈቲሖም አለዉ። ብዙሓት ከአ ንውሕስና ዓቕሞም ዘይፈቐዶ ይኹን ወይ ብኻልእ ምኽንያት ክንፈልጦ ዘይከአልና ክሳብ ሕጂ አይተፈትሑን። ስለዚ ጐይታ መገዲ ክገብር ኩሎም ብዘይ ቅድመ ዅነት ክፍትሑ ንጸሊ። ብስደቶም ንጐይታ ከም ዝመስሉዎ፣ ብኽብሩውን ተኻፈልቲ ምዃኖም አይንረስዕ።

ሚያዝያ 13, 2021

እምነት ምእመናን ከይፍተን ብዅነታት ኩሉ ምሕላፍ ይኹነሎም፣ 33 “ጴጥሮስ ከአ ኵሎም እኳ ብአኻ እንተ ተዓንቀፉ አነስ ከቶ አይዕንቀፍን እየ ኢሉ መለሰሉ። 34የሱስ ከአ በዛ ለይቲ እዚአ ደርሆ ኸይነቀወ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፣ ኢለ ብሓቂ እብለካ አሎኹ በሎ። 35ጴጥሮስ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን ከቶ አይክሕደካን እየ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኵላቶም ከምኡ በሉ”። (ማቴ.26፦ 33-35) እምነት ምእመናን ከይፍተን’ሲ ብዅነታት ኩሉ ምሕላፍ ክኽእሉ ንጸሊ። ከም ጴጥሮስን ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ኩልና ንምሕለሉ ነገር ይህሉ ይኸውን። ቃላት አይጠቕመናን’ዩ። ብእምነት ጸኒዕና ክንነብር ጸግኡ ከብዝሓልና ንጸሊ።

ሚያዝያ 14, 2021

ክንደይ ሰባት ይሁዳ ኰይኖምና ይዀኑ? 47 “እዚ ኺዛረብ ከሎ እንሆ ይሁዳ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ አስያፍን አባትርን ሒዞም መጹ”። (ማቴ.26፦ 47). ክንደይ ሰባት ይሁዳ ኰይኖምና ይዀኑ? ኩሉ ግን ካብ ፍቓድ አምላኽ ወጻኢ አይኰነን። ይሁዳ ንጥፍአቱ፣ ንዓና ኸአ ክብሪ አምልኽ ምግላጽ’ዩ። እዘን ናይ ስደት ጊዜያት ክሓጽራ ንጸሊ። ክሳዕ መዓስ ክንስደድ ክሳዕ መዓስ’ከ አብያተ ክርስቲያናት ክዕጸዋን አምልኾ ነጻነት ክንስእን ኢልና ንጐይታ ንሕተት ንሱ መልሲ አሎዎ።

ሚያዝያ 15, 2021

ክንደይ ሰባት ይሁዳ ኰይኖምና ይዀኑ? 48 “እቲ ዜትሕዞ ኸአ እቲ አነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ ሓዝዎ ኢሉ ምልክት ሀቦም። 49ብኡ ብኡ ናብ የሱስ ቀሪቡ ከመይ አምሴኻ መምህር ኢሉ ሰዓሞ። 50የሱስ ከአ ዓርከይ ብምንታይ ነገር መጻእካ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም አእዳዎም ዘርጊሖም ንየሱስ ሓዝዎ”። (ማቴ.26፦ 48-50) ነቶም ንጐረቤታውቶም አሕሊፎም ንቤት ማእሰርቲ ዝሃቡዎም ጸልዩሎም። እቲ ዝገብሩዎ እንተዝፈልጡስ አይምገብርዎን ነይሮም። ንጹህ ደም ንምፍሳስ ምዝማቶም መርገምን ጥፍአትን ከም ዘኤውጀሎም ስለ ዘይፈልጡ ምሕረት ንአውጀሎም። ነዚ አብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ረቂቒ መገዲ ተጠቒሙ ጸላኢ ሰባት ከካብ ዓዶም ዘፋናቕል አዚዩ ሰባት ይጐድእ ስለ ዘሎ እዚ መንፈስ ምፍንቓል ክማስን ንጸሊ።

ሚያዝያ 16, 2021

ገለ ጌሌና ካብ አፍና አእዳውና ይፈጥን፣ 51 “እንሆ ካብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ ሰይፉ መልሔ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸአ እዝኑ ቘረጾ። 52ሽዑ የሱስ በሎ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ”። (ማቴ.26፦ 51-52) ገለ ጌሌና ካብ አፍና አእዳውና ይፈጥን፣ ውግእና ምስ ስጋን ደምን አይኮነን። እቲ ዝዓበየን ንሓየለን ሥልጣን ዘሎዎ ጐይታ’ዩ ሓይልና። ካሕሳን ሕነ ምፍዳይን ንአምላኽና ምሃብ ክንርዳእ ንጸሊ። ናቱ ይዓቢ ይሕይል ድማ።

ሚያዝያ 17, 2021

እግዚአብሄር አብ ስደትና ትዕግሥቲ ይሃበና። 53 “ነቦይ ምልማኑ ዘይከአለኒ ንሱ ከአ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጐዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ? 54ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ እቶም ጽሑፋት ደአኸ ኸመይ ኪሎም ይፍጸሙ?” (ማቴ.26፦ 53-54) ካብ ጐይታና የሱስ አይንበልጽን ኢና። ብናህርን ክሲ ብምብዛሕን ብምዕግርጋርን ዝርከብ ነገር የለን። ሰይጣን ስዑር ምዃኑ ፈሊጥና፣ እግዚአብሄር ትዕግሥቲ ክህበና ንጸሊ። ነዘን ሓጸርቲ ናይ ስደት መዓልትታት ክንዕገሰን ንጸሊ። ንኹሉ ብሰናይን ብፍቕሪ ክርስቶስን ክንስዕር ክንክእል ንጸሊ። ምእንቲ መራሕቲ ኤርትራ ንጸሊ። ብውግእ ዝመጽእ ሰላም የለን።

ሚያዝያ 18, 2021

ብእምነትና ክንስደድ ክሎና ክንደይ ፈተውትናን ቤተሰብናን ሓደጉና? 55 “ሽዑ የሱስ ነቶም ህዝቢ በሎም ከም ንኸታሪዶ አስያፍን አባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ ወጻእኩም? ዕለት ዕለት አብ ቤተ መቕደስ እናመሀርኩ ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ፣ አይሓዝኩምንን። 56እዚ ኹሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዅሎም ሓዲጎምዎ ሀደሙ”። (ማቴ.26፦ 55-56) ብእምነትና ክንስደድ ከሎና ክንደይ ፈተውትናን ቤተሰብናን ሓደጉና? ሕጂ ኸአ መዓልቲታት ስደት ይውዳኣ አልዋ። ነቶም ዘሳደዱና ይቕሬታኡን ምድሓን ጐይታና የሱስን ንአውጀሎም። ብዙሓት ሰብ ሓዳር ይፋትሑ አሎዉ። ቆልዑ አይ ካብ አደ አይ ካብ አቦ ኰይኖም ይተርፉ.። ሓዳር ምዕናው መሠረት ናይታ ሃገር ዕንወት ምልክት’ዩ። እግዚአብሄር ነቶም ዓበይትን ነአሽቱን ናብራ ዝገብሩ ናይ ሓዳር ክቡርነት ከፍልጦም ንጸሊ። ነቶም ብእዋን ስደት ሓዳሮም ዝበተኑ ብይቕሬታ ተመሊሶም ክዕረቑ ንጸሊ። ነናቶም ጌጋ አብ ቅድሚ አምላኽ ንስሓ ደአ ይእትዉ እምበር፣ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ጌጋ አይጠምት።

ሚያዝያ 19, 2019

ጐይታ የሱስ ብሰሪ ሐጢአትና ናይ እሾዅ አኽሊል ተደፍአሉ። 27 “ድሕሪዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ አዳራሽ ፍርዲ አእተዉዎ፣ ንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ አከቡ። 28ክዳኑ ቐንጢጦም ከአ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ። 29ካብ እሾዅ አኽሊል ተኒጎም አብ ርእሱ ደፍኡሉ፣ አብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ አትሒዞም ከአ አብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ ዎ ንጉስ አይሁድ ከመይ ኢኻ ኢሎም አላገጹሉ። 30ጡፍውን በሉሉ እቲ ዘንጊ አግዲፎም ከአ ርእሱ ወቕዕዎ። 31ምስ አላገጹሉ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ኽዳኑ ኸደንዎ ኪሰቕልዎውን ወሰድዎ”። (ማቴ.27፦ 27-31) ጐይታ የሱስ ምእንታና እሾዅ አኽሊል ተደፍአሉ። ንክርስቶስ ብምእማንና አብ ምድሪ ኤርትራ አብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ስደት ይካየድ አሎ። ነቶም ዓቀይቲ፣ አብ ኤርትራ ምእመናን ዘጋፍዑ ዘለዉ፣ ናብቲ ዘሳድድዎ ዘለዉ ክርስቶስ ክእሰሩ ንጸሊ።

ሚያዝያ 20, 2021

ከም መጠን ምእመናን ክንደይ ጸርፊሞ፣ ክንደይ ላግጺን ዓለማዊ ፌራ ንዕቐትን ዘይጸገብና። 38 “ሽዑ ኽልተ ኸተርቲ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ ምስኡ ሰቐሉ። 39-40ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ አታ ንቤተ መቕደስ አፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ ርእስኻ እስኪ አድሕን። ወዲ አምላኽ እንተ ዀንካስ ካብ መስቀል ውረድ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ”።(ማቴ.27፦ 38-40) ከም መጠን ምእመናን ክንደይ ጸርፊ’ሞ፣ ክንደይ ላግጺን ዓለማዊ ፌራ ንዕቐትን’ሞ ዘይጸገብና። እቶም ክብሮም ብነውሮም አጸያፊ ዘረባ ተዛሪቦም ሕፍረት ዘይፈልጡ፣ በቲ ክፉእ መንፈስ ተቖሪኖም ስለ ዘለዉ፣ ነቲ መንፈስ ብጐይታ ብየሱስ ክርስቶስ ስም ካብአቶም ክወጽእ ንጸሊ።

ሚያዝያ 21, 2021

ሞት የሱስ ንዓና ህይወት ዀይኑልና። 45 “ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከአ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ 46ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸአ አምላኸይ አምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ? ማለት እዩ። 47ካብቶም አብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም እዝስ ንኤልያስ ይጽውዕ አሎ በሉ።48ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ ሰፍነግ አልዒሉ መጺጽ መሊኡ ብዘንጊ ገይሩ አስተዮ። 49ካልኦት ድማ ኤልያስ መጺኡ ዜድሕኖ እንተ ዀይኑስ ክንርኢ ሕደግዎ በሉ። 50የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ ንፍሱ ድማ ወጸት”። (ማቴ.27፦ 45-50) ሞት የሱስ ንዓና ህይወት ዀይኑልና። ጐይታ የሱስ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ስለ ዝዀነልና ነመስግን። እቲ ፍጹም ካህን ፍጹም መስዋእቲ ንኹሉ ሓጢአት ብሓንሳእ መስዋእቱ ወድኦ። ናይ ዘላኣለም ጽሕፈት ዕዳና ስለ ዝደምሰሶ ብመዝሙርን ዝማሬን ብጸሎትን ነመስግኖ።

ሚያዝያ 22, 2021

ክርስቶስ ተንሲኡ ህያው ኰይኑ። 51 “እንሆ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቱ አብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ አንቀጥቀጠት አኻውሕ ድማ ተጨዱ። 52መቓብራትውን ተኸፍቱ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ። 53ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ አተዉ ንብዙሓት ከአ ተራእዩ”። (ማቴ.27፦ 51-53) እቲ ምትርታር መጋረጃ ምልክቱ ንአና ንአመንቲ አብቲ እግዚአብሄር ዘለዎ ትኽ ኢልና ንምእታው ብክርስቶስ ተግባር ስለ ዘኽእለና ነመስግኖ። (እብ. 9። 1-14፣ 10። 14-22) ክርስቶስ ተንሲኡ’ዩ ህያው ኰይኑ ስለዚ እዚ ትንሣኤኡ ጊዜ ብዓብዪ ክብሪ ጐይታና ከነኽብሮ፣ ጐይታ በዛ አግልግሎትና የዛኻኽረኩም።

ሚያዝያ 23, 2021

“እዚ ብሓቂ ወዲ አምላኽ ነይሩ ኢሎም አዝዮም ፈርሁ”። 54 “እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከአ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረአዩ፣ እዚ ብሓቂ ወዲ አምላኽ ነይሩ ኢሎም አዝዮም ፈርሁ። 55አብኡ ብዙሓት አንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ኬገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዐብኦ እየን። 56ካባታተን ከአ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም አደ ያእቆብን ዮሴፍን አደ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ”። (ማቴ.27፦54-56) እቶም ምድራዊ መንግሥቲ ዘማሓድሩ አብ ኤርትራ ነቲ ናይ መንግሥቲ እግዚአብሄር ምስ ዝርድኡ ንአምላኽ ክፈርህዎን ከምልኽዎን ንጸሊ።

ሚያዝያ 24, 2021

ክርስቶስ ተንሲኡ ህያው ኰይኑ። 1 “ደሕሪ ሰንብት ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልአይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ። 2እንሆ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ መልአኽ እግዚአብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ አብ ልዕሊኡ ኸአ ተቐመጠ”። (ማቴ.28፦1-2) ክብሪ ይኹን ንልዑል አምላኽ። እቲ መቓብር ባዶ’ዩ ክርስቶስ ተንሲኡ’ዩ ህያው ኰይኑ’ዩ፣ ብእኡ ህያዋን ክንከውን ከምኡ። ስለዚ አብ ተስፋ ዝቖረጽኩምሉ ኩሉ ትንሳኤን ህይወትን አውጁ። አብ ሃገራዊ ማእቶት ህይወት አውጁ፣ አብ ሕርሻን ምህርትን ሰናይን ብዙሕ ምሕፋስን አውጁ፣ አብ ዝናም ዝድለየሉን ዝአክል ዝናም ክንዘርእን ብዙሕ ክሓፍስን ዘኽእለና ዝናብ አውጁ። አብ ጥዕናን ሰላምን ዝድለየሉ ምሕዋይን ሰላም አውጁ፣ አብ ሓዳር ዝነቕዔ ዕርቂ አውጁ። አብ ዝኾነ ይኹን አብ ህይወትኩም ዘድልየኩም ኩሉ ትንሣኤን ህይወትን አውጁ። ነቶም ብኤች አይ ቪን ካንሰርን ሕማም አልሰርን ጸቕጢ ደም ዝሳቐዩ ትንሣኤን ህይወትን አውጁሎም።

ሚያዝያ 25, 2021

ዘይካሓድ ምስክር ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ። 3 “ትርኢቱ ኸም በርቂ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ። 4እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ ከም ዝሞቱውን ኰኑ”። (ማቴ.28፦3-4) ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ርጉጽ’ዩ። ጸላእቲ ብፍርሂ ተዋሕጡ፣ ራዕራዕ በሉ። እዞም ንክርስቶስ ዝኽሕዱ ብዙሓት ምስኡ ዘይጓዓዙ አዒንቶም ክርእያኦ ካብኡውን ምሕረት ከም ዘሎ ክፈልጡን ክጽግዕዎን ንጸሊ።

ሚያዝያ 26, 2021

ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ እሞ አብዚ የሎን። 5 “እቲ መልአኽ መሊሱ ነተን አንስቲ በለን ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን እፈልጥ አሎኹ እሞ አይትፍርሀ። 6ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ እሞ አብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተንቢርዋ ዝነበረ ስፍራ ንዕነ ርአያ”። (ማቴ.28፦5-6) በዚ ወርሒ ትንሣኤ እግዚአብሄር ክጥቀመልኩም ጸልዩ። ነተን ራዕራዕ ዝብላ አእጋር ከተጽንዑ፣ ነተን ዝደኸማ አእዳው ሓፍ ከተብሉ፣ ንድኹማት ከተባራትዑን ብቓሉ ልዕል ልዕል ከተብልዎምን ጸልዩ።

ሚያዝያ 27, 2021

ካብ ምውታት ከም ዝተንስኤ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። 7 “ቀልጢፍክን ደአ ኺዳ እሞ ካብ ምውታት ከም ዝተንስኤ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፣ አብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ ነገርኩኽን”። (ማቴ.28፦7) ትንሣኤ ጐይታ የሱስ ወንጌል ትንሣኤኡ ክንነግር እምበር አፍና ክንዓጹ አይኰነን ተነጊሩና። እዛ ወርሒ እዚአ ወንጌል ትንሣኤኡ ክንነግር ክንክእል ንጸሊ። አብ መገድን፣ አብ አባይትን ጐረባብትን ወንጌል ትንሣኤኡ ንስበኽ’ሞ ሰባት ናብኡ ንዓድም።

ሚያዝያ 28, 2021

ካብ ምውታት ከም ዝተንስኤ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ። 8 “ካብ መቓብር ብፍርሀትን ብብዙ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ”። (ማቴ.28፦8) ንስኺ/ኻ አታ እዚ መምሪሒ ጸሎት ኤርትራ እትቕበል ሰብ ጐይታ ክጥቀመልካ ጸሊ። ብዛዕባ የሱስ ክትነግር ጀምር። ህያው ኰይኑ ተንሲኡ’ዩ እሞ ንዓ ሓወይ ንዒ ሓፍተይ ምድሓን እእውጀልካ/ኪ በል ጸሊ ኸአ።

ሚያዝያ 29, 2021

ኪኸዳ ኸለዋ እንሆ የሱስ ተጓነፈን። 9 “ንደቀ መዛሙርቲ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ እንሆ የሱስ ተጓነፈን ከመይ ኢኽን ከአ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ”። (ማቴ.28፦9) ነቶም ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ጸልዩ። ብሙሉእ ልቦም ከምልኽዎ ንጸሊ።

ሚያዝያ 30, 2021

ዎ እስራኤ ወንጌሉ ብዘይፍርሃት ንገሪ ንበል። 10 “ሽዑ የሱስ አይትፍርሃ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም አብኡውን ኪርእዩኒ እዮም በለን”። (ማቴ.28፦10) ንእስራኤል ንጸሊ ወንጌሉ ብዘይ ፍርሃት ክነግሩ ክኽእሉ ጥበብ ክህቦም ወንጌል ምብሳሮም ብምሪሒት አምላኽ ክኸውንን ንጸሊ። ነፍሳት ናብኡ ክማርኹ ክኽእሉ ንጸሊ። ንፍሊስጢኤማውያን ጸልዩ ብክርስቶስ ፍቕሪ ወንጌል ትንሣኤኡ ክሰምዑ አብ ቅድሚ አምላኽ ልክዕ ከም እስራኤልውያን ፍቱዋት እዮም።

መምርሒ ጸሎት ብዛዕባ ኤርትራ ብቛዋሚን ቀጻልን ንእትጽሉዩ ንኹሉኹም ቃል በረኸት አዋጅ፣

እግዚአብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ/ኪ ስም አምላኽ ያእቆም ልዕል የብልካ/ኪ፣ ካብ መቕደሱ ረዲኤት ይስደደልካ/ኪ ካብ ጽዮን ከአ ይደግፍካ/ኪ። ንመስዋእትኻ/ኺ… ይዘክሮ/ይቀበሎ። ነቲ ልብኻ/ኺ ዝምነዮ ይሃብካ/ኪ ንምኽርኻ/ኺ ዘበለውን ይፈጽሞ። ብምንጋፍካ/ኪ እልል ንበል። ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም አምላኽና ነልዕሎ። ንኹሉ ልማኖኻ/ኺ እግዚአብሄር ይፈጽሞ። (መዝ.ዳ.20. 1-9).

መተሓሳሰቢ.

  • አብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ምጻምን ምጽላይን
  • ዝኾነ ይኹን እትፈልጥዎ ዜና ክንጽልየሉ ዝግባእ ብኢመይል ምስዳድ
  • ኩሉጊዜ አብ ክንዲ ቤተሰብን ሕብረተሰብን አብያተ-ክርስቲያናትን ሃገር ኤርትራን ቅኑዕ ንስሓ ምቕራብ
  • ኩሉጌዜ ካልአይቲ ቀዳም ብጾምን ጸሎትን ብዛዕባ ኤርትራ ጥራይ ምጽላይ እዩ።
  • ጐይታ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዛረቦ ብኢመይል ምስዳድ

E-mail: home2008.home@gmail.com

About eriprayer

It is a Christian Ministry that reaches out to people with the light of the gospel,near and far through person to person, e-mail and website.
This entry was posted in Uncategorized. Bookmark the permalink.

Leave a comment